ማንችስተር ዩናይት ንተኸላኻላይ ማርቲነዝ ተማዕዱ


ማንችስተር ዩናይትድ ንናይ ማእኸል ተኸላኻላይ ሆላንዳዊት ክለብ ኣያክስ ኣምስተርዳም ሊሳንድሮ ማርቲነዝ ንምፍራም ኣበርቲዓ ትሰርሕ ከምዘላን ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ነዚ ተጻዋታይ ክትውድኣሉ ክምትኽእልን ኣፍሊጣ። ኣርሰናል’ውን ነዚ ወዲ 24 ዓመት ኣርጀንቲናዊ ናብ ኢሜሬትስ ስታድዮም ክተሰጋግሮ ከምትደሊ ኣፍሊጣ’ላ። ማርቲነዝ ምናልባት እቲ ካልኣይ ተጻዋታይ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ኢሪክ ቴን ሃግ ናብ ማን ዩናይትድ ዝተሰጋገረ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ማንችስተር ዩናይትድ ኣቐዲማ ንቲለር ማሌሲያ ካብ ክለብ ፌኑርድ ንኣርባዕተ ዓመት ከምዘፈረመት ይፍለጥ። ሊሳንድሮ ማርቲነዝ ኣብ 2019 ናብ ኣያክስ ተጸንቢሩ 120 ጸወታታት ነታ ክለብ ኣካይዱ ኢዩ።

መሱት ኦዚል ናብ ክለብ ባሳክሲር ተሰጋጊሩ


ጀርመናዊ ተጻዋታይ መሱት ኦዚል ድሕሪ ምስ ቱርካዊት ክለብ ፈነርባቸ ዝነበሮ ውዕል ምቁራጹ፡ ናብ ክለብ ኢስታምቡል ባስከሲር ከምዝተሰጋገረ ተፈሊጡ ኣሎ። ክለብ ባሳክሲር ነዚ ወዲ 33 ዓመት ናይ ማእከል ተጻዋታይ ንሓደ ዓመት ከምዝፈረመቶን፡ ንተወሳኺ ካልእ 1 ዓመት’ውን ክተፈርሞ ከምእትኽእል ኣፊሊጣ ኣላ።

እዚ ጀርመናዊ ተጻዋታይ፡ ኣብ 2001 ናብ ፈነርባቸ ብናጻ ተሰጋጊሩ ክሳብ 2024 ዝጸንሕ ውዕል’ኳ እንተነበሮ፡ ምስታ ክለብ ብዝገበርዎ ስምምዕ ውዕሉ ኣቋሪጹ ናብዛ ሓዳሽ ክለቡ ክጽንበር ክኢሉ ኣሎ።

ኦዚል ድሕሪ ምስታ ዘዕበየቶ ክለብ ፈነርባቸ ምፍልላዩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ኣብ ሂወትና ዋላ ሓደ ርግጸኛ ንኾነሉ ነገር የለን፡ ኩሉ ጊዜ ከምዝሓሰብናዮን ዝወጠናዮን ከይኸደልና ይኽእል ኢዩ። ምዛ ዝዓበኹላ ክለብ ብዙሕ ከበርክትን ክዕወትን ይደሊ ኔረ ኢየ” ክብል ተዛሪቡ።

ኦዚል ድሕሪ ካብ ኣርሰናይ ብናጻ ናብ ፈነርባቸ ምስተሰጋገረ፡ 37 ጸወታታት ኣካይዱ ትሸዓተ ሽቶታት ከመዝግብ ክኢሉ ኢዩ።

ብዘይካ’ዚ ……

 ቼልሲ ንፖርቱጋላዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ክርስቲያኖ ሮናልዶ፡ መተካእታ ሮሚዮ ሉካኩ ክኾና ክተፈርሞ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጣ ኣላ። ወዲ 37 ዓመት ካብ ማንችስተር ዩናይትድ ክወጽእ ከምዝደሊ ድሕሪ ምግላጹ፡ ምስ ቼልሲ ሽሙ ክላዓል ክስማዕ ጸኒሑ ኢዩ። እንተኾነ ሓድሽ ወናኒ ክለብ ቼልሲ ቶድ ቦህሊ ድሕሪ ወኪል ሮናልዶ ጆርጅ መንደዝ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ነቲ ተጻዋታይ ከምዘየፈርሞ ኣፍሊጡ ኣሎ።
 ባርሴሎና ንናይ ክንፊ ተጻዋታያ ኦስማን ደምበለ ንተወሳኺ 2 ዓመታት ምስታ ጋንታ ክተጽንሖ ምስቲ ተጻዋታይ ከምዝተሰማምዐት ኣፍሊጣ ኣላ። ወዲ 25 ዓመት ፈረንሳዊ ተጻዋታይ፡ ኣብዚ ክረምቲ ውዕሉ ዘብቅዕ’ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ 30 ሰነ 2024 ዝጸንሕ ሓድሽ ናይ 2 ዓመት ውዕል ፈሪሙ’ሎ። ደንበለ ነዛ ካቶሎናዊት ክለብ 150 ጸወታት ኣካይዱ፡ 32 ሽቶታት ከምዝግብ’ከሎ፡ 34 ንሽቶ ዝኾና ኮዓሳሱ ድማ ንደቂ ጋንት ኣቐቢሉ ኢዩ።