ተኽእሎታት ዳግማይ ኲናት!

ኣብዚ ግዜ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሕርያ መንቀራቕሮ ተዓኒዱ ዘሎ ይመስል። ወይ ነቲ ዝመውት ዘሎ ቁጠባ እታ ሃገርን እንዳ ዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታትን ምስ ምዕራብ ተረዳዲእካን ተሻሪኻን ምፍዋስ ወይ ንዘይውዳእ ጠለባት ኢሰያስ ከተማልእ ጠቕሊልካ ናብ ዓዘቕቲ ምእታው ድማ እቶም ኣብ ቅድሚኡ ተሰጢሖም ዘለው ኣማራጺታት እዮም።

ካብ ንድልየታት ህግደፍ ከተማእ ኢልካ ኣብ ዘይወዳእ ዕንክሊል ምእታው፣ ምስ ትግራይ ዘሎ ፖሊቲካዊ ቁስሊ ኣሕዊኻ ናብ ንቡር ምምላስ ዝሓሸ ኣማራጺ ከምዝኾነ ኣብ መረዳእታ ክበጽሕ እዩ ዝብል ገምጋም ኣለኒ። ምኽንያቱ ሸውሃት ግብትናን ዕብዳንን ህግደፍ ደረት ስለዘይብሉ።

እቲ ዝቐለለ እምበኣር ነዚ ምስ ትግራይ ተበጺሑ ዘሎ ዘተ ሰላም ኣቀላጢፍካ፣ ዝመጽእ ግዝየን ዕድላትን ካብዚ ሕጂ ተኸሲሩ ዘሎ ስለዝዓቢ፣ ሓቢርካ ምስራሕ ከምዘዋጽእ ኣብ መረዳእታ ክበጽሕ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብዚ መረዳእታ ዝተበጽሓሉ ግዜ ዓቢ ናይ ፖሎቲካ ዳይናሚክስ ክንርኢ ድማ ተኽእሎ ኣሎ። ምናልባት ክሳብ ንህግደፍ ምንብርካኹ ዝበጽሕ ስጉምቲ።

እዚ ምስቲ ብዙሓት ልሂቃን ትግራይ ከም በዓል ኣቶ ስዩም ጸሃየን ካልኦት ኣመራርሓ ውድባት ትግራይን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝሃብዎ መግለጺታት ይተሓሓዝ። እዞም ኣካላት ኢሰያስ ቀንዲ ዓንቃፊ ውዕል ሰላም ፒሪቶርያን ኣስጋኢ ጸጥታ ክልል ትግራይን ምዃኑ ደጋጊሞም ሓቢሮም ኣለው። ነዚ ሒዞሞ ዘለው መረዳእታ ኣብ ቅማረ ኣእቲና ምስ እንግምግም፣ ናይ ኲናት ተኽእሎ ከምዘይተዛዘመን ዓቢ ስእሊ ናይቲ ክመጽእ ዝኽእል ፍጻሜታትን ክትወስድ ትኽእል። እዚ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ ወርሒ ብዘይ ምቁራጽ ዝካየድ ዘሎ ትንፋስ ዘይህብ ግፋ እውን ጥቡቕ ምትሕሓዝ ዘለዎ ይመስል።

መሪሕነት ኣቢ ኣሕመድ ነዚ ዘሎ ቁጠባውን ጸጥታውን ጽዕነት ኢትዮጵያ ክሰግሮ እንተኾይኑ፣ ሓደን ተባዕን ስጉምቲ ክወስድ ክግደድ እዩ። እዚ ክገብር እንተዘይክኢሉ፣ በትረ-ሰልጣኑ ከብቅዓሉ ዘሎ ተኽእሎ ነዊሕ ኣይክኸውንን እዩ። ብፍላይ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮሞን ዝረአ ዘሎ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝኸፍአ ብሄራዊ ጎንጽታት፣ ንመሪሕነት ኣቢ ኣሕመድ የነቓንቖ ኣሎ እዩ።

መሪሕነት ኣቢ ምስ ምዕራብ ብፍላይ ድማ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካን ኤውሮጳዊ-ሕብረትን ናብ ናይ ሓባር መረዳእታ በጺሑ ቁጠባዊ ሓገዛት ክረክብ እንተኾይኑ፣ ምስ ትግራይ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ክቀላጠፍን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን ንጹር ቅድመ-ኩነት ተነቢርሉ ኣሎ እዩ።

ምዕራብ ብፍላይ ድማ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን፣ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝነበሮም ቀጢን ዝምድና- ድሕሪ ኲናት ዩክረይንን ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይን ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝተበጽሐ ይመስል። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት፣ መንግስቲ እንግሊዝን ኣሜሪካን ብፍሉይ፣ ካብ እገዳ ጀሚርካ ክሳብ ተሪር ዲፕሎማስያዊ ስጉምትታት ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ክወስዳ ተራእየን እየን። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ እንተዘይወጽዩ፣ ኣሜርካ ካልእ ናይ እገዳ መቕጻዕቲ ክትወስድ ከምትኽእል እውን ከተጠንቅቕ ጸኒሓ ኣላ።

ነዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ፍጻሜታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፣ ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣማራጺታትን ኣጋጢምዎ ዘሎ ብዶሆታትን እምበኣር፣ መሪሕነት ኣቢ ኣሕመድ ዝሓሸ ዝብሎ ስጉምቲ ከምዝወስድ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ድማ ከምቲ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ንስርዓት ህግደፍ ካብቲ ቅማረ ምውጻእ እዩ ክኸውን።

መሪሕነት ኣቢ ነዚ ከተግብር እንተኾይኑ ደገፍ ናይ ምዕራብ ጥራይ ዘይኮነ ከድልዮ፣ ትግራይ ብኸመይ ናብዚ ዕማም ክትኣቱ ትኽእል ክሕሰበሉ’ውን ናይ ግድን ክኸውን እዩ።

ምራሕቲ ትግራይ ምስቲ ኩሉ ዘጋጠሞም ፖሎቲካዊ ክሳራታትን ምስ ኢሰኣያስ ተበጺሑ ዘሎ ህልኾምን፣ ነዚ ዕድል ዓይኖም ክሓስይሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ገምጋም የለን።

በረኸት ኢልሓይ

መተሓሳሰቢ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጽሑፍ ርእይቶ ጽሓፊ እንበር ርእይቶ ናይ ኤሪሳት ዝውክል ኣይኮነን