ኣብ ሞንጎ ኣባልት ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ልዕሊ ካእል ከቢድ ዘይምትእምማን ክስርት ገይሩ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ዘይምትእምማን እዚ ኣብ ሰፊሕ ምእሳርን ምስዋርን ገለ ጥቕሞም ዝወድኡ ኣባላትን መራሕትን ከዉዕሎ ምዃኑ ምንጭታት ካብቲ ክፍሊ ኣተሓሳሲቦም።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ብርጋዴር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ ነቲ ዘይምትእምማን ከሳዉር ምጽንሑ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብራሃ ካሳ ንባዕሉ ግዳይ ናይቲ ተዋሂብዎ ዝጸንሐ ወፍሪ ኪኸዉን ከምዝኽእል ይእምቱ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ቀረባ መሳርሕቱን ኣገልገልቱን ንዝጸንሑ ዜጋታት ከይተረፈ ይኣስርን ይስዉርን ምህላዉ ኽግለጽ ዝቐነየ ኮይኑ፣ ኣብ ዓንኬል እቲ ጉጅለ ኮይኖም ከገልግሉ ዝርከቡ ኩሎም ፡ መዓስን ብኸመይን ክእሰሩ ወይ ክዉገኑ ምዃኖም እንዳተሸቚረሩ ይጽበዩ ኣለዉ።

ዶባዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ብዉዕል ኣልጀርስ ምስ ዓረፈ ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝብን መራሕትን ክመጾ ብዝኾነ ጠለብ ሃገራዊ ለዉጢ ርዒዱ፣ ኣብ ባይታ ዘየለ መመኽነይታ መስሪሑ ንዝበዝሑ ጠለብቲ ለዉጢ ምስ ጋዜጠኛታትን ተኸተልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ጸንቢሩ ክሳዕ እዛ ዕለት ኣብ ማእሰርቲ የብሊዮም ከምዘሎ ኣይርሳዕን።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ካብ’ቲ ገዚፍ መሳርዑ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ከዳቕቘ ሓሲቡ ዝነበረ’ሞ ዘይሰመረሉ ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ክመጽኦ ዝኽእል ስግኣት ኣመና ኣፍሪህዎ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ብጉዳይ ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያ ሕጂ ድማ ብዂናት ሕድሕድ እታ ሃገር ኣመኽኒዩ ንህዝብና ንልዕሊ 20 ዕመታት ኣብ ናይ ክተት ኣዋጅ ዘህልኽ ዘሎ መራሒ ህግደፍ ፣ ሕጂ ናይ ኢትዮጵያ መመኽነይታኡ ይጽንቀቕ ብምህላዉ፣ ካብ ህዝቢ ንዝመጽእ ሃገራዊ ሕቶን ጠለብን ንምጥምዛዝ ናይ ራዕዲ ወፍርታት ከተግብር ምዃኑ ክግመት ጸኒሑ እዩ።

ድሕሪ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፣ ህዝብን ሰራዊት ኤርትራን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገር ዝድለ ለውጥን ምምሕያሽን ብዘይፍርሒ ኪሓትት ከምዝኾነ ኣጸቢቚ ዝፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፣ ህዝባዊ ቐልቢ ዝጥምዝዙ ሓደሽቲ ተዋስኦታት ካብ ምፍብራኽ ከምዘየዕርፍ እዉን ምንጭታትና ኣቐዲሞም ሓቢሮም እዮም።