ኤርትራ፡ ብዘይካ ስም ሩሕ ዘይብላ ሃገር ኮይና
ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት፡ መዓልቲ ናጽነትን ካልእ ኣጋጣምን፡ መራሒ ሃገር ወይ ዓቢ ብዓል ስልጣን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ብኣካል ንመላኣ ሃገር ወይ ንወከልቲ ህዝቢ “ብዛዕባ ጉዳይ ሃገር መግለጺ ወይ መደረ ክህብ’ዩ” እንተተባሂሉ ብተስፋ ብዙሕ ህዝቢ’ዩ ብሃንቀውታ ትጽቢት ዝገብር። እቶም ብድምጺ ህዝቢ ዝተመርጹ ሰበስልጣን፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ለውጢ ንምምጻእ ስጉምቲ ይወስዱን ጥርዓናት ሕብረተሰብ ይሰምዑን።
ኣብ ማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ፡ ያኢ ዕንዛርያ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ መራሒ ሃገርን ፈታሒ ጸገምን ተቆጺሩ፡ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘቤታውን ኣህጉራውን ጉዳያት ኣመልኪቱ መግለጺ ክህብ’ዩ ምስተባህለ፡ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣብ ሰለስተ ዝተመቕለ’ዩ ነይሩ፡፡
እቶም ሓደ ወገን፡ “ኢሳያስ ብዘይካ ኣብ ሕሉፍ ምህውታትን ንኣመሪካን ወያነን ምኽሳስን ነውራም ቃላት ምጥቃምን፡ ሓድሽ ነገር የብሉን” ክብሉ እንከለዉ፡ እቶም ካልኣይ ወገን ድማ “ምናልባት ዶኾን ኢሳያስ ናብ ልቡ ተመሊሱ እሱራት ክፈትሕ’የ፡ ምርጫን ቅዋምን ክትግበር’ዩ ክብል’ዩ” ዝብሉ ሰብ ተስፋ እውን ኣይተሳእኑን።
ካልኦት ኤርትራውያን እውን፡ ብፍርሒ ዝተዋሕጡን ንስጊንጢራዊ ኣሰራርሓ ኢሳያስ ዝፈልጡን፡ “ኤርትራ ብወግዒ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ኢያ፡ ስልጣነይ ተረከቡኒ” ዝብል ኣሰምባዲ መግለጺ ክይሰምዑ፡ ንመልሲታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብተመስጦ ዝተኸታተሉ ነይሮም።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግን፡ ብዘይካ’ቲ ዓመት ዓመት ዝደጋገም፡ መእሰሪ ዘይብሉን ምንያ ኮለልን መደረ፡ ንትጽቢታት ህዝቢ ኤርትራ ዘርዊ ወይ ንዝጓሃየን ዝሓዘነን ልቢ ህዝብና ዘረስርስ ብስራትን ተስፋን መግለጺ ኣይሃበን። ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ “ካብ ኣርእስቲ ትወጽእ ኣለኻ፡ ጸገማት ህዝቢ መልስ” ክብሉ መሰል ዘይብሎም ናይ ሓሶት ጋዜጠኛታት፡ ጉዳይ ህዝብና ጎስዩ ነቲ ካብ ሓደ ኣህጉር ናብ ካልእ ኣህጉር፡ ካብ ሓደ ኣርእስቲ ናብ ካልእ ጉዳይ ዝናጠርን ድርዳር ጸርፍን ዘዘውትር መላኺ ኢሳያስ ልጓም ክገብሩሉ ዝኽል ሰብ የለን።
ኣብቲ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2023፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሂብዎ ዝተባህለ ሓጺርን ህዝቢ ኤርትራ ንኻልእ ኩናት ክዳሎ ዝጽውዕ ዕቡድ መግለጺ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ደጊሙ ብንጹር ቃላት ዘረጋገጸሉን ዝደርጎሖን መርድእ፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ጽዓት፡ ትሕተ ቅርጺ፡ ቀረብ ማይ፡ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ሰብኣዊ መሰልን ቦታን ቀዳምነትን ከምዘይውሃቦ ብንጹር ምድጋሙ ኢዩ። ብሓጺሩ ኣብ ኤርትራ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ንሱ ዝግልገለሉ ስለያዊ መሓውርን ማዕከናት ዜናን እምበር ሃገር ወይ መንግስቲ ዘብል መለክዒ ይኹን ቅርጺ የለን።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ ስለዝተሰደ፡ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ዕድል ዝሰኣነ ድማ ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኩናት ትግራይን ስለዝተጸምደን ብዘይ ፍርዲ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ይማስን ስለዘሎን፡ ሃገርና ሩሕ ዘይብላን ዓዲ ውዕልን ድኑሳትን ዝበዝሑዋ ሃገር’ያ ኮይና ዘላ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይካ የለን ኣሎ ዝብል መልሲ ክትረክብ ኣጸጋሚ ኢዩ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ደጋጊሙ ከምዝገለጾ፡ ካብ ብዛዕባ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትሕን ዝግደስን፡ ብጉዳይ ኢትዮጵያ ክምዝሻቀል ሓቢሩ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ እቲ ንሓደ ህዝቢ ወይ ሃገር ህላዊኡ ዝረጋግጽ መሰረታውን መባእታውን ኣገልግሎትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ካብዘይሃለወ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኤርትራ እንታይ ክሳብ ትኸውን ኢዩ ዝጽበ ዘሎ ዝብል ሕቶ ከተልዕል ትግደድ። ሃገር እናጠፍአት ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ”ኸ የለን ድዩ ኢልካ’ውን ትሓትት።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ዓቅሚ ሰብን ባህርያዊ ጸጋታትን ከምኡ እውን ዝርካቡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ዝተሃንጸ ትሕተ ቅርጽን ፋብሪካታትን ብፍላጥ ከምዝዓኑን ከምዝለምስን ስለዝገበረ፡ ብዘይካ ንገዛእ ርእሱ ምኽሳስን ከም በደለኛ ምፍራድን፡ ንመራሕቲ ወያነን ኣመሪካን ምዕራባውያን ሃገራትን ከም ተጻባእቲ ምዕባለ ኤርትራ ክቆጽር ምትላል ኢዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ብጉጅለ ህግደፍ ተዋሂቡና ዘሎ ግዜ ዘይህብ ዕዮ ገዛ፡ “ኤርትራ ብዘይካ ስም፡ ሩሕ ዘይብላ ሃገር ኮይና ስለዘላ ንምድሓና እንታይ ትገብሩ ኣለኹም” ዝብል ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ናይ ኤርትራ፡ ኤርትራ ድማ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ከምዘይኮነት ብተግባር ተረጋጊጹ ካብ ሃለወ፡ ነታ ሩሕ ዘይብላ ሃገርና ንምድሓን፡ “ኤርትራውያን ንኤርትራ፡ ኤርትራ ድማ ንኤርትራውያን ትኹን” ዝብል ሕልናን ዕማምን ቀዳምነት ሂብና ንስርሓሉ።
ቢተወደድ ሳልሕ ስዒድ ዓሊ ሓጃይ