ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ዕጥቅታቶም ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከረክቡ ምጅማሮም ትግባረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ምሉእነት እንዳለበሰ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ኮይኑ ኣሎ። ምፍታሕ ዕጥቂ ብሓፈሻ ከበድቲ ብረት ድማ ብፍላይ ኣብ ተግባር ክርአ ድዩ ዝብል ስክፍታ ንሓያለ ወገናት ከሻቕል ምጽንሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት ሓይልታት ትግራይ ኪንዮ ፈኮስቲ ኣጽዋሮም ከበድቲ ወተሃደራዊ ዕጥቆም ከረክቡ ምጅማሮም ነቲ ሻቕሎት ዘፋዂስ ኮይኑ ከምዘሎ የረድኡ።
ቀድማይ እግሪ ምርካብ ከበድቲ ብረት ብ 11 ጥሪ ወከልቲ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ከምኡ’ዉን ወከልቲ ናይቲ ንምፍታሕ ዕጥቂ ምክትታል ዝስርሑ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ ኣጉላዕ ከምተቓንዐ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ኢድ ሓይልታት ተግራይ ተሪፎም ዝህልዉ ካልኦት ኣጽዋራት እዉን ኣበየ ከባቢኡ ተመሳሳሊ ናይ ምርካብ መስርሕ ኽቃንዓሎም ከምዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ።
ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋሮም ከረክቡ ምጅማሮም፣ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ይዓርፍ ከምዘሎ ዘመላኽት ኮይኑ ኣሎ። ሰበስልጣን ትግራይ ፣ ትግባሬ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታቶም ምስ ምዉጻእ ናይ ግዳም ሓይልታት ቀጥጣዊ ምትሕሓዝ ከምዝህልዎ ኪምግቱ ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ሕጂ ከበድቲ ብረቶም ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ከረክቡ ምጅማሮም ፣ እቶም ናይ ግዳም ሓይልታት ካብ ትግራይ ይወጽኡ ምላዎም ዘተንብህ ኮይኑ ኣሎ።
ህላዌ እቶም ሓይልታት ነቲ “ጸጥታዊ ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ክረጋገጽ” ዝብል ሓደ ካብ ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ዝዕንቅጽል ምዃኑን ዝማጎቱ ሰበስልጣን ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዘለዎ ድሌት ኣብ’ዚ መሰረታዊ ነጥቢ ዝህልዎ መርገጺ ከምዝኾነ እዮም ክምሕጸኑ ጸኒሖም።
ነቲ ኣብ 2 ሕዳር ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተኸተመ ስምምዕ ነባሪ ምቊራጽ ተጻብኦ ስዒቡ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ናይ ኬንያ ዝተበጽሑ ነጥብታት ፡ ክልቲኦም ወገናት፣ ዕንቅፋት-ኣልቦ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ኩሎም ብኲናት ተጸልዮም ዝጸንሑ ህዝብታት ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ከረጋግጹ ትካላት ረዲኤትን ሰራሕተኛታተንን ጸጥታዊ ድሕነቶም ተረጋጊጽሎም ስራሖም ከሰላስሉ ካብ መሳርዕ ሰራዊት ፈደራል ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ክወጹ፣ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ድማ ክረጋገጽ ዝብሉን ካልኦትን ስምምዓት ምኽታሞም ይፍለጥ።