ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምዕናዉ ሃገራውን ሰባውን ክብርታት ዘይስከፍ ዉልቃዊ ሓሳባትን ርእይቶን ከተበርኽ ዘኽእል ክፉት ባይታ ብምዃኑ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ ንቕሓቱ ኣዕቢዩ ነዚ ምዕቡል እዋን ዝኸፈቶ ባይታ ናብ ረብሓኡ ጥራይ ከብሎም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ክኢላታት እቲ ዓዉዲ ንወኪል ኤሪሳት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብዚ እዋን እዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ልዑል ቊጽሪ ኣባላቱ ብምዉፋር ፡ ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝመቓቕል ነጥብታት የቐምጥን ፡ መንእሰይ ኤርትራ ካብቲ ዓቢዪ ሃገራዊ ጉዳይ ኣብኲሩ ኣብ ንኡሳን ዕላላት ክታረኽ፡ ከይሰልከየ ይሰርሕን ምህላው ዘዘኻኸሩ እቶም ክኢላታት ፡ ናይ ሎሚ መንእሰይ ኣቲናዮ ንዘሎና ረቒቕ ናይ ሓበሬታ ትሕተ-ቅርጺ ክመዓዓደሉን ሃገር ከድሕነሉን ናብ ዘኽእሎ ባይታ ክቕይሮ ተላቢዮም።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከም ፈይስቡክን ቲክቶክን ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝጥቀሙሎም ማሕበራዊ መራከቢታት ዝነቕሉ ዕላላት ፡ ክትዓት፣ ግንዛቤታትን ነቐፌታታትን ንኽብሪ መንነትን ልዑላውነትን ከምኡዉን ልምድታት ሕብረተሰብ ዝፈታተኑ እንዳኾኑ ይመጽኡ ከምዘለዉ ፡ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሓያሎ መንእሰያትና ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጠብቊ ተኣፈፍቲ ጽሑፋት ብመን ከምዝተኻፈሉ ከይፈለጡ ሃንደራእ ኢሎም ክታረኹዎ ይመርጹ ስለዘለዉ ከምዝኾነ እቶም ክኢላታት የስተምህሩ።

ጉጅለ ህግደፍ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ዕሱባት ናብ ቀጽሪ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዉፊሩ ኣብ`ዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ምምቕቓል ክነድቕ ከይደቀሰ ይሰርሕ ከምዘሎ ፈሊጥና እምበኣር ፡ ነዚ ምዕቡል እዋን ዘንጸፈልና ባይታ ምዕቡላት ሓሳባት እንዳጸፍጸፍና ክብርታትና ፣ ሓድነትና፣ ብዓቢኡ ድማ ቀጻልነት ልዑላውነትና ኣዉሒሱ ንኩሉዓይነታዊ ሓርነት ናብ ዘጎናጽፍ ዓይነት ባይታ ንምቕያሩ ክንዕጠቕ እዮም እቶም ክኢላታት ኣብ መወዳእታ ጸዊዖም።