ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብገበን ዝሕተቱ ወገናት ናብ ፍርዲ ከይቀረቡ ፣ ምሉእነት ናይ’ቲ ኣብ ትግባረ በጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ዘተኣማምን ከም ዘይከዉን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳን ጀርመንን ሓቢረን። እተን ኢትዮጵያ ዝበጽሓ ሚኒስተራት ኣብ መግለጺታተን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ገበን ዝፈጸሙ ወገናት ብቕልጡፍ ተለልዮም ኣብ ሕጊ ኪቐርቡ እየን ጸዊዐን ዘለዋ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ምዕዋት ዝለዓለ ኢድ ከምዘለዎ ጠቒሰን፣ ኣብ’ቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት ፍትሒ ከይተነጽፈሎም፣ እቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ዓሪፉ ክበሃል ከምዘይከኣል እየን ኣተሓሳሲበን። ሚኒስትሪ ወጻእኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዉን፣ ገበነኛታት ኲናት ተሓተትቲ ንምግባር መንግስቲ ምስ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዞባዉያንን ኣህጉራዉያንን ኣካላትን ተሻሪኹ ይጽዕር ምህላዉ ኣብሪሁ ኣሎ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ጉዳይ እቶም ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ዝበሃሉ በደላት ፍትሒ ከይተረኽበሎም ምስ ኢትዮጵያ ኣዛሕቲልዎ ዘሎ ቊጠባዊን ዲፕሎማስያዊን ዝምድና ናብ ንቡር ክመልሶ ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ክሕብር ጸኒሑ እዩ።
እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ደዉ ክብል ሓያለ ዲፕሎማስያውን ቊጠባዊን ጸቕጥታት ኪገብር ዝጸንሐ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፡ ብፍላይ ነቲ ኢትዮጵያ ካብኡ ዓመታዊ እትጽበዮ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዩሮ ሰብኣዊን ልምዓታዊን ደገፋት ኣደስኪልዎ ምህላዉ ይንገር።
ካብቶም ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሎም ነጥብታት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ናብ ተጸበይቲ ክበጽሕ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዳግም ኪጅምሩን ኣብቲ ኲናት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝሕተቱ ናብ ሕጊ ኪቀርቡን ዝብሉ ጉዳያት ኣብ ባይታ ክምስከሩ ብቐዳምነት ከምዘገድስዎ ዝገልጽ እቲ ሕብረት፡ ተግባራዉነት እቶም ነጥብታት ነቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ክሕደስ ዝድለ ዝምድና ወሰንቲ ምዃኖም እዩ ዝሕብር ።
ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ገበናት ክምርመሩን ተሓተቲ ናብ ሕጊ ኪቐርቡን ዝብል ነጥቢ ሓደ ካብቶም ንተግባራዉነት ብዝምልከት ኣካታዕቲ ኮይኖም ዝቕጽሉ ዘለዉ ነጥብታት ኮይኑ ምህላዉ እዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝሕብሩ። ቀዲሞም ኪወጽኡ ዝጸንሑ መርመራታት፡ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ግህሰታት ከምዝፈጸሙ ዘመልክቱ እዮም።
ኣብ ዝሓልፈ ዓመተ 2021 ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዛይድ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰት ንምግታእ ዘነይት ስራሕ ከምዘይተዓመ ድሕሪ ምዉቃስ፡ ነቲ ግህሰት ንምግታእ ዘኽእል ስጒምቲ ኽትግበር ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘቕረቦ ጠለብ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓርን ዓፋርን ንዝተፈጸሙ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እተጻሪ ብሰለስተ ኣባላት እትምራሕ ኣህጉራዊት ኣካል ኽትቀዉም ኣብ ዝሓለፈ 17 ታሕሳስ 2021 ምዉሳኑ ይዝከር።
ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ኤርትራዉያን ስደተኛታትን ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ተፈጺጺሞም ንዝበሃሉ ገበናት ንምጽራይ ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምዃን ካብ 16 ግንቦት ክሳብ 31 ነሓሰ 2021 ናይ ዘካየድዎ ሓባራዊ መርመራ ከምዘመልክቶ እዉን ፣ ኣብ ኲናት ብዝሳተሳተፉ ኩሎም ሓይልታት ፡ ክሳዕ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነትን ዝዓርጉ ዝተፈላለዩ በደላት ከምእተፈጸሙ እዩ።