ደቅኽን ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ከይሳተፉ ሓቢእክንን ናብ ሱዳን ኪሰግሩ ጌርክንን ተባሂለን ናይ ዝዳጎና ዘለዋ ኤርትራዉያን ስድራቤታት ቊጽሪ ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ምንጭታት ካብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ፣ ዓሰርተታት ወለዲ ደቅኹም ሓቢእኹም ንሱዳን ሰዲድኹም ተባሂሎም ዛጊት ንከባቢ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣውዳ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
እዚ ኣብ ከተማ ባረንቱ ዝቕጽል ዘሎ ድጎና ወለዲ መቐጸልታ ናይቶም ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣዊጅዎ ዘሎ ሓድሽ ራዕዲ ምዃኑ እዩም እቶም ምንጭታት ዝረድኡ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ባይታ ዘየለ ስግኣት ኣመኽንዩ ኣብ ልዕሊ መላእ ሃገር ኣዊጅዎ ዘሎ ምግፋፍን ምንግልታዕን ዜጋታት ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽሎ ከምዘሎን፣ ደቅኽንን ሰብኡትክንን ኸይከቱ ሓንጊዶም ብዝብል ምስምስ ናብ ማእሰርቲ ዘምርሓ ናይ ዘለዋ ኣዴታት ቊጽሪ ዕለታዊ ይዛይድ ምህላዉን ክግለጽ ቀኒዩ እዩ።
ናብ ከም ሓሽፈራይ ዝበሉ ወተሃደራዊ ከባቢታት ዝዉሰዳ ኣዴታት ምህላወን ዘመልከቱ ምንጭታትና ፣ ህግደፍ: ካብ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ኣርሒቖም ኣብ በረኻታት ንዝሕብኡን ካብ ከባቢኦም ንስደዱን ዘለዉ ወገናትና ንምርኽኻብ ብቀጻሊ መንበሪ ኣባይቶም ይዕሽግን ንግዳዊ ትካላትቶን ጥሪቶምን ይህግርን ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ደማዊ ኩናት ብሰላም ኣብ ዝፍትሓሉ ዘሎ እዋን: ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ዘይምልከቶ ሓዊ ዝጥበስ ዘሎ ወገኑ ክድሕን ተተስፍዩ እኳ እንተነበረ: ጉጅለ ህግደፍ ግን ህዝቢ ቀሲኑ ዕለታዊ ህይወቱ ንኸይመርሕ ኣብ ምዝራግ ይርከብ።
እቲ ምንግልታዕ ስድራቤታት ቀይዲ በቲኹ ምህላዉ ዘመልከቱ ምንጭታትና፣ ስሙያት ዉልቀሰባትን ፡ ኣብ ትካላት ህግደፍ ብመሪሕነት ክነጥፉ ዝጸንሑ ሰራሕተኛታትን ከይተረፉ፡ ገለ ገዝኦም ይቚለፍ ገለ ድማ ናብ ማእሰርቲ የምርሑ ምህላዎም ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ መላእ ሃገር ሰፊኑ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምርዓድ ወፍሪ፡ ነቲ ስርዓት ደርግ ካብ ሓይሊ ኣብ ዘርሓቐሉ ቅንያት ዝነበረ ከቢድ ህሞት ከምዘዘኻኽር ደጊሞም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ ከቢድ ራዕዲ ኣትዩ ከምዘሎ ባዕሉ ብተግባሩ ይሕብር ምህላዉ እዮም ዝዛረቡ።
ነቲ ብጉዳይ ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያ ሕጂ ድማ ብዂናት ሕድሕድ እታ ሃገር ኣመኽኒዩ ንህዝብና ንልዕሊ 20 ዕመታት ኣብ ናይ ክተት ኣዋጅ ዘህልኽ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ሕጂ ናይ ኢትዮጵያ መመኽነይታኡ ይጽንቀቕ ብምህላዉ፣ ካብ ህዝቢ ንዝመጽእ ሃገራዊ ሕቶን ጠለብን ንምጥምዛዝ ናይ ራዕዲ ወፍርታት ከተግብር ምዃኑ ክግመት ጸኒሑ እዩ።