ኤሪሳት ፡ ክቡራት ተኸታተልትና ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ሓደ ፍልይ ዝበለ ጋሻ ኢና ዓዲምና ዘለና ። ናይ ሎሚ ዕዱምና ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ዙርያ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብንጥፈት ዝተዋሰአ ፡ ብርክት ዝበለ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ከምኡ ድማ ካብ ተንተንቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ድማ ጎሊሖም ካብ ዝጥቀሱ ሓደ ዝኾነ ፖለቲከኛ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ክኸውን’ዩ ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣቶ ልደቱ ሓሳባቱ ብትብዓትን ብግሉጽነትን ብምግላጽ’ዉን ይፍለጥ ። በዚ ኣጋጣሚ ዕድሜና ኣኽቢሩ ነዚ ቃለ መሕትት’ዚ ከካይድ ፍቓደኛ ብምዃኑ ብስም ኤሪሳትን ብስም ተኸታተልትናን ኣዕዚዘ ከመስግኖ ይደሊ ። ናብ መደበር ሳተላይት ኤሪሳት እንቋዕ ደሓን መጻእካ ኣቶ ልደቱ ።
ኣቶ ልደቱ ፡ ሄኖክ ብመጀመርታ ስለዝዓደምካኒ ብጣዕሚ የመስግን ። ኣብዚ ናትኩም ማዕከን ሓበሬታ ክዕደም ንመጀመርታ ግዜይ’ዩ ። ብተወሳኺ ንሕና ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናይ ሓባር ጉዳይ ኣለና ኢልና ከምዚ ተቐራሪብና ክንዘራረብ ስለዝኸኣልና ብልቢ የመስግነካ ። ንተኸታተልትኹም’ዉን የመስግን ።
ኤሪሳት ፡ ኣብ ዙርያ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ከም ምንጣፍካ መጠን ብዙሓት ኤርትራውያን መን ምዃንካ
ይፈልጡ’ዮም ። እዚ መደብ ናብ ውሽጢ ኤርትራ’ዉን ክዝርጋሕ ስለዝኾነ ድማ ህዝብና ብዛዕባኻ ዝያዳ ኣፍልጦ ንኽህልዎ ብዛዕባ ነብስኻን ንጥፈታትካን ገለ በለና ።
ኣቶ ልደቱ ፡ ሓቅኻ ከም ዝበልካዮ መብዛሕትኦም ተኸታተልትኹም ኤርትራውያን ክኾኑ ስለዝኽእሉ ዘይፈልጡኒ ይህልዉ’ዮም ። እቲ ዝገርመካ ኣስመራ ምስ ከድኩ ግን ከምኡ ኣይኮነን ጸኒሑኒ ዳርጋ ካብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ብዘይሰንፍ ኣብኡ’ዉን ብዙሓት ሰባት ከም ዝፈልጡኒ’የ ክዕዘብ ክኢለ ። ኣቢልና ኣቢልና ግን ብዛዕባይ ዘይፈልጡ ምስ ዝህልዉ ንሌላ ዝኣክል ኣነ ብንእስነተይ’የ ቅድሚ 29 ዓመት ከባቢ ኣብ ፖለቲካ ክነጥፍ ጀሚረ ። እዚ ድማ ኢህወደግ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምቁጽጻሩ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ማለት’ዩ ። ፈለማ መኣህድ ኣብ ዝበሃል ብፕሮፌሰር ኣስራት ዝቖመ ውድብ ኣባል ኮይነ ኣብ መበል 21 ዓመት ዕድመይ ፖለቲካ ድሕሪ ምጅማረይ ፡ ጸኒሕና ድማ ካብኡ ብምውጻእ ምስ ብጾተይ ኢዴፓ (ናይ ኢትዮጵያውያን ዲሞክራሲ ፓርቲ) ዝበሃል ፖለቲካዊ ፓርቲ መስሪትና ቃልስና ጀሚርና ማለት’ዩ ። እቲ ፓርቲ ቅድሚ 23 ዓመት’ዩ ተመስሪቱ። ከምኡ ኢልና ቃልስና እንዳቐጸልና ጽቡቕ ተቐባልነት ክንረክብ ጀሚርና ። ኣብ 1997 ቅንጅት ዝተባህለ ሓይሊ ክምስረት እንከሎ ካብ ዘቖምኦ 4 ፓርቲታት ሓደ ናትና ክኸውን እንከሎ ፡ ኣብ ውሽጢ ቅንጅት ዝጎልሐ ተራ ዝተጻወተ ናትና ፓርቲ’ዩ ኔሩ ። ድሒሩ ቅንጅት በቲ ዝተሓስቦ መልክዕ ክኸይድ ኣይከኣለን ፡ ጸገም ኣጋጢሙዎ ማለት’ዩ ። ቅንጅት ናይ 4 ሓይልታት ጥምረት እምበር ውህደት ብዘይምንባሩ ግን ንሕና ፓርቲና ኢዴፓ ሒዝና ቀጺልና ። እቲ ፓርቲ ክሳብ ቅድሚ 2 ዓመት ኣብ ንጡፍ ፖለቲካዊ መድረኽ ድሕሪ ምጽንሑ ፡ ዶክተር ኣቢ ድሕሪ ምምጽኡን ፡ እቲ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱን ግን ብዘይሕጋዊ ኣገባብን ብዘሕዝን መንገዲን ካብ ናይ ፖለቲካ ሕጋውነት ክንስረዝን ካብቲ መድረኽ ክንእለን ተጌሩ ። ስለዚ ሕጂ ብደረጃ ፓርቲ ይቃለስ የለኹን ፡ ግን ሕጂ’ዉን ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ጉሉሕ ተሳትፎ ኣለኒ ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዙርያ ፖለቲካ 5 መጻሕፍቲ ጽሒፈ ኣለኹ ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናውያን ፖለቲካዊ ዛዕባታት ኣተኲረ ብዙሕ ጽሑፋት ኣበርኪተ ኣለኹ ። ስለዚ ዳርጋ ናይ ሙሉእ ግዜ ስርሐይ’ዩ ክብል ይኽእል’የ ። ዳርጋ ሙሉእ ናይ ንእስነት ዕድመይ ኣብ ዙርያ ፖለቲካ ኢትዮጵያ’የ ኣሕሊፈዮ ክብል’ዉን ይኽእል’የ ። ከምቲ ዝድለ ውጽኢት እንተዘይተረኽቦ’ኳ እቲ ክስራሕ ዝግብኦ ግን ሰሪሐ’የ ኢለ ይኣምን ። ብዛዕባይ እዚ እኹል ኮይኑ ይስመዓኒ ።
ኤሪሳት ፡ የቐንየልና ። እምበኣር ሕጂ ናብ ሕቶታተይ
ንምስጋር ናብ ቀዳመይቲ ሕቶይ ክሓልፍ ። ኣቶ ልደቱ ብዘሉ ህሉው ኩነታት ምስ ንጅምር ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ኣጠቓላሊ ናይ ፖለቲካ ሃዋህዉ ብኸመይ ትገልጾ ? ምስኡ ድማ ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ሰላም እንታይ ርእይቶ ኣለካ ? ፖለቲከኛ ጆሃር መሓመድ ኣብዚ ሒደት መዓልቲ ብዛዕባ’ዚ መስርሕ ሰላም” እዚ ገስጋስ ሰላም ጽቡቕ እንተኾነ’ኳ ግሉጽነት ዝጎደሎን ብታህዋኽ ዝኸይድ ዘሎን ብምዃኑ ግን ልክዕ ከምቲ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ስምምዕ ካልእ ኲናት ዝቕስቅስ ከይከውን ስግኣት ኣለኒ ” ኢሉ ኔሩ ። ንስኻ’ኸ ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ርእይቶ ኣለካ ? ብተወሳኺ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ዝምድናታት ኣብ ውልቀ ሰባት ዝተወሰነ ብምንባሩ እንታይ ጸገማት ኣምጺኡ ኢልካ ትሓስብ ?
ኣቶ ልደቱ ፡ ኩላትና ንከታተሎ ከም ዘለና ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት’ያ ትርከብ ዘላ ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ዳርጋ ን30 ዓመታት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣይነበርናን ንብል ኢና ዶክተር ኣቢ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ግን ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ዝተወሳሰበ ፡ ሕንፍሽፍሽ ኢና ኣቲና ዘለና። ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ 2 ዓመት እሞ ኸኣ ኣብ ታሪኽና ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ኣዝዩ ከቢድ 1 ሚልዮን ዝግመት ሂወት ዝጠፍኣሉ ኲናት ሓድሕድ እዩ ኣብ ሃገርና ተኻይዱ። ሽሕ’ኳ ንግዚኡ ውዕል ሰላም ተፈሪሙ እንተሎ ተደምዲሙ ክንብሎ ንኽእል ግን ኣይኮነን ከመይ’ሲ ሕጂ’ዉን ዘይተፈትሑ ብዙሓት ጉዳያት ኣብ ጠልጠል ተገዲፎም ኣብ ዘለዉሉ ተሃዋሲ ኩነታት ስለንርከብ ፡ ኣብ ድልዱል መሰረት ዝተነብረ ሰላም ጌና ኣይመጸን ። ከም ዝዝከር ቅድሚ 5 ዓመት ዶክተር ኣቢ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ኣብዘሓ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ሕጉስ’ዩ ኔሩ ፡ለውጢ ክመጽእ ናብ ጽቡቕ ኣንፈት ክንሰጋገር ዝብል ተስፋ’ዉን ኔሩዎ ፡ ብፍላይ ዶክተር ኣቢ ብቐጥታ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ርክብ ምስ ገበረ መብዛሕትና እቲ ለውጢ ካባና ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ’ዉን ክተርፍ’ዩ ዝብል ተስፋ ኔሩና ። እንተኾነ ግን ከም ዝሓሰብናዮ ኣይኮነን ፡ እቲ ኣብ መንጎ’ተን ሃገራት ክህሉ ዝነበሮ ክልተኣዊ ዝምድና’ዉን ኣብ ክልተ ውልቀሰባት ተወሲኑ ብምትራፉን ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሰላም ፡ ዲሞክራሲን ልምዓትን ወይ ሓባራዊ ጉዳያት ድማ ኣብ ኲናት ዘተኮረ ርክብ ብምንባሩን ድማ ናብ ዝገደደ ማለት ንኢትዮጵያ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ሃዋህው ክትኣቱ እንከላ ኣብ ኤርትራ ዝፈጠሮ ጽልዋ’ዉን ቀሊል ኣይመስለንን ። ኢሳያስ ካብ ዝነበሮ ተነጽሎ ወጺኡ ፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ዓለምለኻዊ ናይ ፖለቲካ መድረኽ ክረአ ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት’ዉን ጸላዊ ተራ ክጻወት ንዝነበሮ ዕድል እዚ ርክባትን ስዒቡ ዝመጸ ተርእዮን ብኣሉታ ዝጸለዎ ይመስለኒ ። ብናተይ እምነት እቲ ንህዝቢ ኤርትራ’ዉን ይጠቅም’ዩ ዝበልናዮ ለውጢ እኳ ደኣ መሊሱ ዝጎድኦ ኮይኑ ይስመዓኒ ። ዕምሪ ውልቀ ምልኪ መሊሱ ዘናውሐ’ዉን ይመስለኒ ። ስለዚ እዚ ናይ 4 ዓመት ከይዲን ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ናይ ለውጢ ጅማሮን ኣቢሉ ኣቢሉ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይጠቅም እኳ ደኣ መሊሱ ኣብ ዝተወሳሰበ ሽግር ዘእተወን ኮይኑ ኢና ርኢናዮ ። ብዛዕባቲ ዘልዓልካዮ ናይ ሕጂ ውዕል ሰላም ድማ ፡ ውዕል ሰላም ምክያዱ ጽቡቕ’ዩ ኲናት ደው ክብል ኣለዎ ፡ ናይ ህዝቢ ህልቂት ደው ክብል ሰናይ’ዩ ከመይ’ሲ ኲናት ዝምረጽ ነገር ኣይኮነን ። እቲ ውዕል ግን ነባሪ ሰላም ዘውሕስ ክኸውን ኣለዎ ፡ ነባሪ ሰላም ዘውሕስ ክንብል ከለና መጀመርታ ነዚ ኲናት ኣጠቓላሊ ፍታሕ ዘምጽእ ክኸውን ኣለዎ ስለዚ ድማ ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ዝግበሩ ስምምዓት ግሉጽነት ክህልዎም ይግባእ ፡ ምስ ዝጭበጥ ህዝባዊን ሃገራዊን ረብሓታት ተተሓሒዞም ክረኣዩ አለዎም ፡ ተሓታትነት ዘዕብዩ ክኾኑ ኣለዎም ከምዚ ዓይነት ሽግር ዳግማይ ከይድገም ብዝሕግዝ መልክዕ ክካየዱ ኣለዎም ። ግን ድማ ሕጂ’ዉን ኣብ ዙርያ’ዚ ስምምዕ ንኹላትና ግልጺ ዘይኮኑ ፡ ዝተሸፋፈኑን ሕንቅል ሕንቅሊተይ ዝኾኑና ነገራት ኣለዉ ። እዚ ድማ የስግኣና’ዩ ። ስለዚ እቲ ዝጠቐስካዮ ናይ ጆሃር ጽሑፍ እንድሕር ነዚ ስምምዕ በዚ ደረጃ ኣስጋኢ’ዩ ዝብሎ ኮይኑ ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳብ ይመስለኒ ። ስለዚ ዝያዳ ግሉጽነት የድሊ ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ኲናት ደው ኣቢልካ ኣብ ካልእ ከባቢ ምጅማር ከይከውን ጥንቃቐ ምግባር የድሊ ከመይ’ሲ ነባሪ ሰላም አብ ዝተወሰነ ሓደ ከባቢ ጥራይ ብዝስራሕ ስራሕ ዝብጻሕ ኣይኮነን ከመይ’ሲ ነንሕድሕዱ ዝተተሓሓዘ’ዩ ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ደው ኢሉ ኣብ ኣምሓራ ፡ ኦሮምያ ወይ ድማ ኤርትራ ዝቕጽል እንተኾይኑ ኣቢሉ ኣቢሉ ተሓጺብካ ናብ ጭቓ’ዩ ክኸውን ፡ተመሳሳሊ ዑደት ወይ መስርሕ’ዩ ክድገም ። ስለዚ ንሽግርና ብዝተማለአ ገጻቱ ዝተገንዘበን ዝተረድአን፡ ኣሳታፊ ዝኾነ ንኹሉ ዝሓቁፍ ነባሪ መዓልቦ ዝህብ ኣጠቓላሊ ፍታሕ ኢና ነናዲ ዘለና ። ስለዚ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ጽቡቕ ጅማሮ’ዩ ፡ ክድገፍን ክተባባዕን ዘለዎ’ዩ ግን ድማ ኣብ ዙርያኡ ብዙሓት ድኽመታትን ስግኣታትን ዝሓዘለ’ዉንዩ ፡ ስለዚ ደፋእ ኢልካ ነዞም ስግኣታት ብጥንቃቐ እንዳፈታሕካ እዚ ሰላም ነባሪ ክኸውን ምጽዓር የድሊ ዝብል እምነት ኣለኒ ።
ኤሪሳት ፡ ሕራይ ኣቶ ልደቱ ኣብዚ ዝሓለፈ 2 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ ህልቂት ዘስዓበ ኩናት ተኻይዱ’ዩ ። ኣብዚ
ኲናት ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ቀንዲ ጸላኢ ዝረአ ዝነበረ ሓይሊ ሕወሓት ክኸውን ከሎ ነዚ ኲናት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግብዣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ንህወሓት ንምጥፋእ ብምንቃድ ብንጥፈት ምስታፉ ይፍለጥ ። ናይ ፕሪቶርያ መስርሕ ሰላም ግን ንኢሳያስ ከየካተተ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን’ዩ ተኻይዱ ።ኣቐዲምካ ከም ዝገለጽካዮ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ተዛማዲ ሰላም ሰፊኑ ኣሎ ፡ ኮይኑ ግን ኣብ መንጎ ኢሳያስን ህወሓትን ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝኸፍእ ናይ ቂምታን ጽልኢን ሃዋህው ሰፊኑ’ሎ ። ምስዚ ብምትሕሓዝ 2 ሕቶታት ኣለዋኒ ፡ ቀዳመይቲ እዞም ክልተ ሓይልታት ማለት ኢሳያስን ህወሓትን ከይተሳነዩ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ነባሪ ሰላም ክመጽእ ይኽእል’ዩ ኢልካ ትግምት’ዶ ? ካልኣይቲ ድማ ኢሳያስን ኣቢን ነዚ ኲናት ክኣትዉ’ዎ ከለዉ ዝነበሮም ትልሚ ሓቢሮም ንህወሓት ንምጥፋእ’ዩ ኔሩ ። እዚ ኣይኮነን ህወሓት ኣይጠፍአን እኳ ደኣ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ዝርርብ ቀሪቡ ይቕጽል ኣሎ ። ድሕሪ ሕጂ ናይ ኢሳያስን ኣቢን ዝምድና ናበይ ገጹ’ዩ ኢልካ ትሓስብ ?
ኣቶ ልደቱ ፡ እዚ መሰረታዊ ሕቶ’ዩ ። ኣብቲ ቀዳማይ ሕቶ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ኣሎ ።እዚ ስምምዕ እዚ ስሉሳዊ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ። ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት እዚ ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ክካየድ ኣለዎ ክብሉ ይሰምዕ’የ ፡ ምስዚ ኣይሰማማዕን ቅኑዕ’ዩ ኢለ’ዉን ኣይሓስብን ምኽያቱ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ’ዩ ዘሎ አካል ኢትዮጵያ’ዩ ሓደ ልኡላዊ ዝኾነ ሃገር አይኮነን ስለዚ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝዘራረበሉ ዝኾነ ምኽንያት የለን ። ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጸገም ኣለኒ እንተኢሉ ክዘራረብ ዝኽእል ፈደራላዊ መንግስቲ’ዩ ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምስ ትግራይ ዘሎ ጉዳይ ውሽጣዊ ጉዳይ’ዩ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ኣይኮነን። ምስ ኤርትራ ዘሎ ጉዳይ ግን ዓለም ለኻዊ ሕግታት ተኸቲሉ ክካየድ ዘለዎ ናይ ዓለም ለኻዊ ዝምድናታት ጉዳይ’ዩ ። ስለዚ እዚ ውዕል ንመንግስቲ ኤርትራ ከሳትፍ ኣይክእልን’ዩ ንኣብነት ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ፡ ከመይ’ሲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ’ዩ ። እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን እንታይ ዓይነት ስምምዕ ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን ኢና ። እዚ ንባዕሉ ርእሱ ዝኸኣለ ጌጋ’ዩ ። ሕጂ’ዉን እንተኾነ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ወይ ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ጉዳይ ብሰላም እንተዘይተፈቲሑ እዚ ጸገም ነባሪ ፍታሕ ከም ዘይረክብ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ብዝግባእ ተገንዚቡ ፡ ከምታ ዓዲሙ ዘምጽኦ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ውዕል ሰላም ኮፍ ኢሉ ክዘራረብ ኣለዎ ። ኣብዚ ጉዳይ ግን ዝጋሕመጠ ነገር ኣሎ ንኣብነት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ኣለዎ። ኣብ ናይ ካልእ ሃገር ግዝኣት’ዩ ዘሎ ፡ ሕጋዊ ብዘይኮነ መንገዲ ግሉጽነት ብዘይብሉ ህዝቢ ብዘይፈልጦ ናይ ክልተ ውልቀ ሰባት ስምምዕ’ዩ ኣትዩ፡ ድሕሪ ምእታዉ’ዉን ብዙሕ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት ፈጺሙ’ዩ ስለዚ ተወጊዙ ክወጽእ ኣለዎ ። እንተኾነ ግን መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ንጹር ኣይኮነን ።ንኣብነት ኣብዚ ስምምዕ ሰላም ናይ ደገ ሓይልታት ክወጹ ኣለዎም ኣብ ዝብል ተሰማሚዑ’ሎ ። ወላ’ኳ ናይ ኤርትራ ኢሉ ክሰሚ እንተዘይደለየ’ዉን ። ብስም ኣነጺሩ ዘይምቕራቡ ንባዕሉ ቅኑዕ ኣይኮነን ። እዚ ድማ ፈትዩን ረድዩን ይሰማማዕ ከም ዘየሎን ፡ ንሰላም ቆሪጹ ከም ዘይተንስአን’ዩ ዘርኢ ። እዚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ ፡ ክሕባእ የብሉን ። ሰራዊት ኤርትራ ኣትዩ’ሎ ፡ ስለዚ ኣብ ኣደባባይ ብቕሉዕ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ኣለዎ ኢሉ ክውስን’ዩ ዝግባእ ኔሩ ። ግን ሕጂ’ዉን እዚ ክሸፋፈን ካብ ተደልየ ፡ ንሰላም ድሉውነት ከም ዘይብሉ’ዩ ዘርእየና ። ድሕሪ’ዚ ኹሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግልጺ ክወጽእ ክሓትት’ዩ ዝግባእ ። ብመሰረት’ዚ ስምምዕ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፍን ተሰማሚዐ ኣለኹ ፡ነዚ ሰላም ድማ ሓደ ካብቲ ዝጥለብ ቅድመ ኩነታት ናትኩም ምውጻእ’ዩ ፡ ስለዚ ክትወጹ ኣለኩም ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድፍኢት ክገብር ኣለዎ ።ኣብዚ ንጹር መርገጺኡ ከርኢ ኣለዎ ። ግን ድማ ሰሚዕካ እንተዀንካ ለንቅነ ብወገን ሰበ ስልጣን ኤርትራ ይበሃል ኣሎ ተባሂሉ ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ ግን ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተዘይሓቲቱና ኣይንወጽእን ኢና ” ዝብል’ዩ ። ሓቆም’ዮም ፡ ከመይ’ሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓዲሙ ካብ ኣእተዎም ከውጽኦም ዘለዎ’ዉን ባዕሉ’ዩ ።ካብዚ ንርድኦ ነገር እንተሎ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ናቶም ናይ ምውጻእ ጉዳይ ኣይተዘራረበን ማለት’ዩ ፡ ኣይሓተቶምን። ከይሓተቶም ባዕሎም ይወጹ’ዶ እንተኢልና ኣይመስለንን ። ስለዚ እዚ ጉዳይ ክንጽር ኣለዎ ። ከም ፍታሕ ቀዳማይ ነገር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ክፍጠር ድሌት እንተልዩዎ ፡ኣብ መንጎ ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ክድምደም ክገብር ኣለዎ ። ብዛዕባ’ዚ ክዛተ ዘለዎ’ዉን ባዕሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ ። ግን ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ዘካይዶ ዘተ ብቐዳምነት ሓይልታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክመኽሩ ኣለዎም ። ምኽንያቱ እዚ ጉዳይ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ’ዩ ። ኣቐዲምካ ዝተገብረ ጌጋ እዚ’ዩ ኔሩ ቅድሚ ሕጂ ዶክተር ኣቢ ምስ ኤርትራ ዝገበሮ ርክባት ንህዝቢ ትግራይ ብዘግለለን ብዝጓነየን መልክዑ’ዩ ተኻይዱ ። እዚ ነቲ ዝሰዓበ ኲናት ማዕረ ክንደይ ጽልዋ ኔሩዎ’ዉን ርዱእ’ዩ ። ስለዚ እዚ ጉዳይ ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ’ዶ ? እወ ፡ ግን ድማ ክተሓዋወስ የብሉን ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ’ዮም ክዛተዩ ዝኽእሉ ። እቲ ዝዓበየ ነጥቢ እቲ ዝርርባት ስሉሳዊ ክኸውን ከም ዘይክእል’ዩ ። ንትግራይ ብዝምልከት ግን ድሕሪ ሕጂ ዝግበር ኩሉ ዝርርባት ናይ መሪሕነትን ህዝቢን ትግራይ መረዳእታን ርእይቶን ብዘይጎሲ መንገዱ ክካየድ ኣለዎ በሃሊ’የ ። ብኸምዚ ፈላሊና እንተሒዝናዮ ጸገም ዘምጽእ ኣይመስለንን ። እቲ ጸገም ግን ናይ ነገራት ምትሕውዋስን ምድብላቕን ይመስለኒ ። እቲ ስምምዕ ግሉጽ ኣይኮነን ፡ ንትግባረኡ ብዝምልከት’ዉን ግሉጽነት ይጎድሎ’ዩ ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ትኽ ዝበለ መርገጺኡ ክገልጽ ኣይሰማዕኩን እቲ ኣተሓሕዛ ወጅሃላይ’ዩ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ክወጹ’ዮም ይብል ካልእ መጺኡ ኣይወጹን’ዮም ይብል ። ብወገን ኤርትራ’ሞ ኸኣ ሕሉፍ ሓሊፉዎም ኣይተሓተትናን ክብሉ ኢኻ ትሰምዕ ። ስለዚ ንናይ መን መርገጺ ኢኻ ትሰምዕ’ዉን ኣጸጋሚ’ዩ ። እዚ ዘሕዝን ነገር’ዩ ። ስለዚ እዚ ውዕል ሰላም ሕጂ’ዉን ኣብ ሰንኮፍ’ዩ ዘሎ ፡ ከምዚ ኣብ ሑጻ ከም ዝተሰረተ ገዛ ዓይነት ማለት’ዩ ፡ ጸኒዑ ክቕጽል’ዩ ኢልካ ክትተኣማመነሉ’ዉን ዘኽእል ኣይኮነን ።እንድሕር ብቕንዕና ሰላም ክመጽእ ኣለዎ ኢልና ንኣምን ኰንና ክንሓባብእ የብልናን ። እዚ ናይ ህዝቢን ሃገርን ጉዳይ’ዩ ። ናይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ሂወት ዝጠፍኣሉ ኲናት’ዩ ። እዚ ናይ ኲናት ሃዋህው ክፍታሕ ኣለዎ ኢልና ንሓስብ እንድሕር ኰንና ፈለማ እቲ ጉዳይ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ክንኣምን ኣለና ። ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ምዃኑ እንድሕር ኣሚንናሉ ድማ ነገራት ካብ ህዝቢ ክንሓብእ የብልናን ከመይ’ሲ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ህዝቢ’ዩ ። ምስ ተኸስተ ቀዳማይ ዝተሃስየ’ዉን ህዝቢ’ዩ ። ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን ። ስለዚ ግሉጽነት የለን ፡ ግሉጽነት እንተዘይሃልዩ ድማ እዚ ጉዳይ ነባሪ ፍታሕ ክረክብ ይኽእል’ዩ ኢለ ኣይኣምንን’የ ። ስለዚ ጉዳይ ኤርትራ ኣብዚ መስርሕ ሰላም ብሓፈሻ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ ፡ ናይቲ ሰላም ኣካል ክኸውን ኣለዎ ። እዚ ማለት ግን ሓደ ሓደ ሰባት ከም ዝብሉዎ ስሉሳዊ ዝርርብ ክካየድ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን ።
ኤሪሳት ፡ እታ ካልኣይቲ ሕቶ ድማ ኣላ ፡ እታ ናይ ኣቢን ኢሳያስን ኣብዚ ኲናት ክኣትዉ ከለዉ ትብል ኣብኡ እንከለኻ ከዘክረካ ……
ኣቶ ልደቱ ፡ ሓቅኻ ኣለኻ ። ኣብዚ ኲናት ናይ ዶክተር ኣቢይ ዕላማ ብቐንዱ ናይ ስልጣን ጥሙሕ’ዩ ። ናይ ኢሳያስ ድማ ናይ ጽልኢን ሕነ ምፍዳይን ጉዳይ’ዩ ። ስለዚ ምናልባት ዶክተር ኣቢይ ሓይልታት ትግራይ ተዳኺሞም ኣለዉ ፡ ምስኣቶም እንተ ተሰማሚዐ ኣብ ስልጣነይ ክቕጽል ኣይክጽግመንን’ዩ ኢሉ ክኣምን ይኽእል’ዩ ። ስለዚ ድሌታቱ ከማልኣሉ ዝኽእል ሃዋህው ክህሉ ይኽእል’ዩ ። ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ግን ክብገስ እንከሎ’ዉን እቲ ቀንዲ ዕላማ ሕነ ምፍዳይ ስለዝነበረ ህወሓት game over ብዝብል ንናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንምጥፋእ ዘንቀደ’ዩ ኔሩ ።ሽሕ’ኳ እቲ መበገሲ ንህወሓት ንምጥፋእ ዝብል እንተነበረ ኣብ ባይታ ግን ኪኖ’ዚ ሓሊፉ ካብ ልሂቃን’ዉን ሰጊርካ ንህዝቢ ናብ ምጥፋእ ክዓርግ’ዩ ተራእዩ። እዚ ሸቶ እዚ ድማ ከም ዝረኣናዮ ኣይተወቕዐን ። እዚ ውዕል ሰላም’ዉን ነዚ ዕላማ ዘፍሽል’ዩ ። ስለዚ በዚ ውዕል ሰላም ሕጉስ ከም ዘይኮነ ወይ ከም ዘይድግፎ ክንዛረብ ንኽእል ኢና ፡ ከመይ’ሲ እቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ኣይሰለጠን በዚ ምኽንያት ድማ ነዚ ውዕል ሰላም ክድግፍ ኣይክእልን’ዩ ። ከመይ’ሲ ብናቱ እምነት ወያኔ ዝበሃል ሓይሊ ኣብ ትግራይ ክሳብ ዝሃለወ ኣነ ሰላም ክረክብ ኣይክእልን’የ ንህላወይ’ዉን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ ኢሉ’ዩ ዝሓስብ። ስለዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝግበር ስምምዕ ንህላወ ህወሓት ቅቡል ዝገብር ክሳብ ዝኾነ ኣቶ ኢሳያስ ነዚ ውዕል ሰላም ከም ዘይቅበሎ ፍሉጥ’ዩ ። ስለዚ ዓቕሙን ኩነታትን ብዘፍቀደሉ መጠን ነዚ መስርሕ ሰላም ከተዓናቕፍ ድሕር ኣይክብልን’ዩ ። ብጭቡጥ’ዉን ሓደ ሓደ ምልክታት ንርኢ ኣለና ።እዚ ድማ ዘሻቕል ነገር’ዩ ። እዚ ስለዝኾነ ድማ’ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ መስርሕ ሰላም ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኮፍ ኢሉ ክዘራረብ ዘለዎ ። ከመይ’ሲ ክልቲኦም ብናይ ሓባር ኣወንታዊ ጉዳይ ወይ ኣጀንዳ ኣይኮኑን ተሻሪኾም እንታይ ድኣ ናይ ሓባር ጸላኢ’ዩ ኣራኺቡዎም ። እዚ ኲናት ድማ ፡ እዚ ናይ ሓባር ጸላኢ ዝበሃል ኣተሓሳስባ ኣይኮነን ንህዝቢን ሃገርን ንገዛእ ርእሶም’ዉን ከም ዘይጠቕሞም ዘርኣዮም ይመስለኒ ።ስለዚ ካብዚ ተማሂሮም ክልቲኦም ኮፍ ኢሎም ” እምበኣር እቲ ዝሓሰብናዮ ኣይሰለጠን ፡ ኣይሰርሐን ክንድ’ዚ ዝኸውን ከቢድ ናይ ሂወት ህልቂትን ፡ ናይ ሃብቲ ሃገር ብርሰትን’ዩ ኣስዒቡ ስለዚ ንዘለና ጸገም ብኻልእ መንገዲ ብሰላም ንፍትሓዮ ” ኢሎም ናይ ኤርትራ መንግስቲን ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲን ክዘራረቡ ይግባእ ፡ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ሰላም’ዉን ብምዝማድ ማለት’ዩ ። ከምኡ ምስ ዘይግበር ግን ሕጂ’ዉን ሓደ ኲናት ኣቋሪጽካ ካልእ ኲናት ምውላዕ’ዩ ክኸውን ።ከመይ’ሲ ኢሳያስ ዓቕሚ እንተልዩዎ ቀጥታዊ ኲናት የብሉን ድማ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣኻኺቡ ንዓኣቶም እንዳመወለ ብኢደዙር ዝግበር ኲናት ምውልዑ ኣይተርፍን’ዩ ። በዚ መንገዲ ድማ ንናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ሰላም ምህዋኽ ክቕጽል’ዩ ማለት’ዩ ። እዚ ድማ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንህዝቢ ኤርትራ’ዉን ዝጠቅም ነገር ኣይኮነን ። ንኣብነት ኣብዚ ኲናት ንናይ ሓደ ውልቀ መላኺ መራሒ ናይ ሕነ ምፍዳይን ጽልኢን ስምዒት ንምርዋይ ተባሂሉ’ዩ 60 ሽሕ ፡ 70 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብዚ ኲናት ሞይቶም ዘለዉ ። ብመንጽር ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ክረአ እንከሎ እዚ ኲናት ወላ ሓንቲ ፋይዳ ወይ ትርጉም የብሉን ፡ ግን ድማ 60 ፡ 70 ሽሕ መንእሰይ ኤርትራ ኣትዩ ጠፊኡ’ሎ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ንሰምዖ ከም ዘለና ። በቃ ንናይ ሓደ ሰብ ናይ ጽልኢን ሕነ ምፍዳይን ስምዒት ወይ ego’ዩ እዚ ኹሉ ህዝቢ ጠፊኡ . ስለዚ ብሕጂ’ዉን ናቱ ስምዒት ወይ ego ስለዘይዓገበ ካልእ ተወሳኺ ግጭትን ኲናትን ክቕጽል የብሉን ወይ ተወሰኽቲ መንእሰያት ክጠፍኡ የብሎምን ። ሓይልታት ትግራይ’ዉን ነዚ ክግንዘቡ ኣለዎም ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰማሚዕና ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኲናት ክንቅጽል ዝብል ሓሳብ እንተልዩዎም ቅኑዕ ኮይኑ ኣይስመዓንን ። ኣብ ልዕሊ ሻዕብያ ዘለዎም ተሪር ኣመለኻኽታ ይርድኣኒ’ዩ ፡ ሻዕብያ ከም መንግስቲ ንህዝቢ ኤርትራ’ዉን ዘይጠቅም ስቓዩ ዘብዝሐ መንግስቲ ምዃኑ ይፈልጥ’የ ግን ከኣ ሕጂ’ኸ እዚ ሽግር ብኲናት ድዩ ክፍታሕ ዘለዎ ፡ ብሕጂ’ኸ ክንደይ መንእሰያት’ዮም ሂወቶም ክኸፍሉ ንዝብል ብጥንቃቐ ህድእ ኢልካ ክረአ ዘለዎ ይመስለኒ ። እቲ ጉዳይ ብኻልእ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ብፖለቲካ ከመይ ጌርና ክንፈትሖ ንኽእል ኣብ ዝብል ኣተኩሮ ክግበር ግቡእ ይመስለኒ ። ይቅጽል………
2ይ ክፋል ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ