ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ጎስጓሱ ፣ “ ኤሪሳት መጋበርያ ናይ ንዳግማይ ሕብረት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝሰርሑ ሓይልታት ትኸዉን ኣላ ክብሉ ከጋውሕዎ ጀሚሮም ዘለዉ ዘመተ ንብዙሕ ኤርትራዊ የስሕቕ ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ስደት ልዕሉ መጠን ገነዘብ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ተሰሊዑለን ኣብ መሳዂት ማሕበራዊ ሚድያ ዝሃልካ ዘለዋ መሓዉራት ዜና ፣ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ነቶም ባንዴራ ኢትዮጵያ ሒዞም ፍቐዶ ከተማታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝድብሉን ዝድንክሩን ዝነበሩ ደገፍቲ ህግደፍ ይምጉሳን ንመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ይሕለቓን ምንባረን ርስዕ ኣቢለን ፣ ሕጂ ንኤሪሳት ብመጋበርያነት ክኸሳ ኣይሓነኻን።
ንኤርትራ ብኹሉ ሸነኻት ኣዳኺሙ ንሓድሽ መግዛእቲ ድሉውቲ ብዝገብር ዘሎ ህግደፍ ገንዘብ እንዳተሸርፎም ኣብ ጥዑም ናብራ ተዀዪጦም ዝተነግሮም ሓሶት ምርባሕ ዝልማዶም ኣባላት ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና ፡ ትማል እንታይ ጎስጒሶም ሎሚ ከ እንታይ ይጒስጒሱ ኣለዉ ዝፈሊ ድፍረትን ሕልናን ዝለዝዉሕዶም፣ መደበር ተለቪዥን ኤሪሳት ምስ ኣብ ሰዓታት ዝለዋወጥ ሓሶት እንዳራብሑ ስራሕ ኪዕንቅፉ ምፍታን ዝዓቕሞም ድኹማት ሕልና ኪትታረኽ ኣድላዪነት ከምዘይብሉ እዮም ምንጭታትና መኺሮም ዘለዉ።
ኤሪሳት ሓንሳብ ናይ ህወሓት፣ ሓንሳብ ናይ ሃገራት ኣዕራብ፣ ሓንሳብ ናይ ኣመሪካ ፣ ሕጂ ድማ ናይ ኣንድነታዉያን መጋበሪት ኮይና ምስ ዝብሉ ህልዉሳት ምትራኽ ኪንዮ ምብኻን ግዜ ዝመጽኦ ፋይዳ ከምዘይህሉ እዮም እቶም ምንጭታት ዘተሓሳስቡ።
ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ሓበሬታ ተዓጺዩዎ ዘሎ ህዝብና ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስደት ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቃልሲን ብዛዕባ እቶም ነቲ ቃልሲ ዘቃንዑ ዘለዉ ፖለቲካዉያን ሓይልታትን እኹል ኣፍልጦ ኪህልዎ ምግባር፡ ማእከላይ ዕላማ ተለቪዥን ኤሪሳት ምዃኑ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝነጥፉ ምንጭታትና ኣብ ምጅማር እዚ ሓድሽ ዓመት ሓቢሮም እዮም።
እቶም ምንጭታት ኣብ ሓበሬታኦም፣ ኤሪሳት ዝነቐለትሉ ዕላማ ፡ ነቶም ብዝመረጽዎ ሸነኽ ፖለቲካዊ ንቕሎን እምንቶን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓተ ምልኪ ንምእላይ ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ደቂ-ሃገር ምስ ህዝቢ ንምቅርራብ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ህዝቢ ብዛዕባ እቶም ተቓለስቲን ዕላማታቶምን ንጹር መረዳእታ ወኒኑ ኣየናይ ፖለቲካዊ ሓይሊ ወይ ሰልፊ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዝሓሸ ተቐባልነት ከምዝህልዎ ኪግምት ንምኽኣል እዉን ከምዝኾነ ኣዘኻኪሮም።
ህዝቢ ፡ ኣብ ስደት ዝጽዕታ ዘለዋ ፖለቲካዉያንን በርጌሳዉያንን ኣካላት ዕላማአን፣ እምንቶአን፡ ራኢአን፡ ስነልቦና መራሕነትን ከምኡ’ዉን ድኻማተንን ብልጫታተንን ብኣጋኡ ኪፈልጥ መሰል ከምዘለዎ ዘተሓሳሰቡ እቶምን ምንጭታት፡ ኤሪሳት ነዚ መሰል እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኽትከልኦ እንተተራእያ፣ ካብ ኣካይዳታት ናይ መሓዉራት ዜና ህግደፍ ዘፍሊ ከምዘይህልዋ ኣገንዚቦም።
ሓደ ፖለቲካዊ ይዂን በርጌሳዊ ወገን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መጽዩ ዕላማኡን ራኢኡን ከነጽር ግዴታኡ ከምዝኾነ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ እዚ ኣብ ዉሽጢ’ታ ብሓደ መላኺ እትግዛእ ዘላ ኤርትራ ፍቚድ ብዘይምዃኑ፣ ኤሪሳት ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምምላእ ትማወትን ፣ ህዝቢ ምስ’ቶም ንህዝቢ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ሓይልታት ዝላለየሉ መድረኽ ንምድልዳል ትደክምን ምህላዋ ኣረዲኦም።
ድሕሪ ምእላይ ምልኪ ፣ ህዝብና ዝጠቕምዎ ፖለቲካዉያን ወገናት ይዂን ፖለቲከኛታት ፈሊጡ ክጸንሕ ምግባር ፣ ተለቭዥን ኤሪሳት ከይተሓለለት ክትሰርሕ ምጽናሓ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት ኣብ መወዳእታ፣ ኤሪሳት ናብ መድረኻ እተቕርቦም ፖለቲከኛታት ይኹኑ ተቓለስቲ ፡ ምስኦም ናይ ጸቢብ ረብሓን ስነሓሳብን ምትእስሳር ስለዘለዋ ዘይኮነ፣ ህዝብና ብዛዕባ እንታይነትን ዕላማን እቶም ተቓለስቲ ንጹር ስእሊ ሒዙ ክጸንሕ ኣለዎ ኢላ ስለእትኣምን ጥራይ ምዃኑ እዮም ኣተሓሳሲቦም።