ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ዉሽጢ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ዓመት 2023 ናብ ሊብያ ተመሊሶም። ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት IOM፣ ካብ 1 ክሳብ 7 ጥሪ ጥራይ 1067 ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተዓጊቶም ናብ ሊብያ ተመሊሶም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ’ታ ዝተፋነናያ ዓመት ማለት ፡ ካብ 25 ክሳብ 31 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ እዉን ብዉሑዱ 1,088 ስደተኛታት ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ከምተመልሱ እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ኣብ ዉሽጢ ዓመተ 2022 ጥራይ 24,684 ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ከምተመልሱ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ 2021 እዉን ልዕሊ 32 ሽሕ ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ሊብያ ከምተመልሱ እዩ ሰነዳት እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ዘረድእ።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ነቲ ስደተኛታት ካብ ባሕሪ መሊስካ ናብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ናይ ምእታዉ ስጒምቲ ካብ ዝሓልፈ ዓመት ኣትሒዞም ብትሪ ኪቋወምዎ ምጽንሖም ይንገር።

ኣብ ሊብያ ሓቅታት እተጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ደቂኣንስትዮ ኣካላዊን ጾታዊን ዓመጻት ይቕጽል ከምዘሎ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት ኣብ ዘውጸቶ ጸብጻብ ደጊማ ኣነጺራ እያ።

እታ ኣጻራዪት ጉጅለ ፡ ኣብ’ቲ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸቕረበቶ ጸብጻብ፣ ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ መዳጎኒ ማኣከላት ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ገበናት ኣንጻር ሰባኣዉነት ይፍጸም ከምዘሎ ብምትሕስሳብ ፣ ስደተኛታት ተቐቲሎም ኣብ ጋህሲ ከምዝድፈኑ፣ ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ኣካላተን ኪቃጸል ከምዝግበርን ብመለሳ መግቢ ንጾታዊ ርክብ ከምዝሕተታን፣ ናይ ጉዕዞን መልቀቒን ገንዘብ ኪኸፍሉ ዘይከኣሉ ብህይወቶም ከምዝነዱን ካልእን ዝብሉ ኣሰቀቕቲ ገበናት ገና ይቕጽሉ ምህላዎም እያ ኣብሪሃ።

ልዕሊ 12 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ 27 ኣብያተ ማኣሰርቲን መዳጎኒ ማእከላትን ሊብያ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፣ ኣሽሓት ካልኦት እዉን ብዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ኣብ ዝዉነና ምስጢራዉያን መዳጎኒ ማኣከላት ብዘይሕጊ ተታሒዞም ተመሳሳሊ ጸገም የሕልፉ ምህላዎም ፡ ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴረዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይ 2022 ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘሕለፎ ጸብጻብ ምሕባሩ ይዝከር።

ኣብ ጉዕዞ ስደት ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡን ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑን ወገናት ሓበሬታ ዝስንድ ኣካል ከምዝሕብሮ፣ ካብ 2014 ዛጊት 24,234 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ህይወቶም ከምዝሰኣኑንን ደሃዮም ከምዘይተረኽበን እዩ ሰነዳት ትካላት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዘነጽሮ እዉን ፣ ኣብ’ዛ ዘለናያ ዓመት ጥራይ ዛጊት ህይወትን ደሃይን ኣስታት 1,400 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ ።