ኲናት ሓድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ህይወት ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ከምዝወሰደ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ጀርያዊ ኦሊሰጎን ኣበሳንጆ ኣብ’ዚ ቅንያት ምስ ፋይናንሽያል ታይምስ ኣብ ዘቃንዖ ቃለመሕትት ሓቢሩ።

እቲ ክልተ ዓመታት ዘቚጸረ ኲናት ሕድሕድ፡ ካብ 2020 ዛጊት ካብ ዝተኸስቱ ዉግኣት ናይ’ዚ ዞባን ዓለምናን ብጻዕቊን መጠን ህልቂቱን ፍልይ ዝብል ምዃኑ እዩ ኣረዲኡ።

እቲ ኲናት ብሞንጎኝነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሰላማዊ ፍታሕ ኪርከበሉ ምኽኣሉ ፡ ዕለታዊ ክጠፍእ ዝኽእል ዝነበረ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ከምዝደሓነ ዘተሓሳሰበ ኣበሳንጆ፣ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ምሉነት ክለብስ ማሕበረሰብ ዓለም ደገፉ ክቕጽል ጸዊዑ ኣሎ።

ብኲናት ሕድሕድን በቲ ኲናት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልዉላዉን፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህይወት ናይ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ጠፊኡ ኪኸዉን ከምዝኽእል ፣ ነቲ ኲናት ብቐረባ ዝከታተሉ ዝነበሩ ክኢላታት ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣተንቢሆም ነይሮም እዮም።

ነቲ ኲናትን ንሱ ዘስዓቦ ጥሜትን ብቐረባ ኣጽኒዕና ዝብሉ እቶም ክኢላታት ፣ ኣባል በልጁማዊት ‘ዩኒቨርሲቲ ገንት’ ብዝኾነ ምሁር እንዳተመርሑ ፣ ብኲናትን ጥሜትን ናይ ዝጠፍአ ብዝሒ ሰብ ብምግምጋም እዮም ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ነቲ ኣሃዛዊ እመታ ኣካፊሎም።

ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ መፋርቕ 2022 ፣ ክሳብ 100 ሽሕ ሰባት ብኲናት፣ ክሳብ 200 ሽሕ ብጥምየት ፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ካልኦት ድማ ብስእነት ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ሞይቶም ኪኾኑ ከምዝኽእሉ እዩ እቲ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ሓቢሩ ነይሩ።

ብሰንኪ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ሰሪቱ ድሕነት ኣማኢት ኣሽሓት ሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ወዲቚ ምጽንሑ ኣይርሳዕን። እቲ ጸገም ነቶም ዝኾነ ጸግዒ ስኢኖም ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣብ ዝርከባ መዓሰካራት ኣብ ሞንጎ ኲናት ተቀርቂሮም ዝነበሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ሓልፋ ካልእ ወገን ጸሊዩ ምንባሩ እዉን ኣይርሳዕን ።