ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ካብ ዝከፈኤ ናብ ዝበኣሰ ገጹ የምርሕ ኣሎ ። ኣብ ሱዳን ብዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ተጸልዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሊብያ የምርሑ ከም ዘለዉ ምንጪታትና ካብ ሱዳን ሓቢሮም ።

ብተደጋጋሚ ምንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝቀንዐ ግፋታት ኮምኡ እውን ብገለ ሓላፍነት ዘይስመዖም ሱዳናውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝገብርዎ ዘለዉ ራስያን ክትራን ጠንቂ ምጥፋእ ኤርትራውያን ናብ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ይኸውን ከም ዘሎ ምንጪታትና ብተወሳኺ ይሕብሩ ።

ኣብ ጸጥታዊ መዳይ ሩኡይ ሃጓፍ ኣጋጢምዋ ዘሎ ሱዳን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ገበናት ምንግስቲ ብቀሊሉ ክቆጻጸሮ ተጸጊሙ ከም ዘሎ ዘመላኽት ኮይኑ፡ ንባዕሉ እቲ መንግስቲ ነቶም ገበነኛታት ምቹእ ባይታ ዘጣጥሕ ግፋታት የካይድ ምስ ምህላዉ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ናይ’ዚ ዓመጽ ከምዝኾኑ ይፍለጥ ።

ኣብ’ዚ ግዜዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኢኹም ብዝብል ምኽንያት ኣብ ከተማ ካርቱም ዝግፈፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይ ዝኾነ መሰነይታ ወረቀት ካብ 250 ሽሕ ጂነ ሱዳን ክሳብ 300 ሽሕ ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለው ይንገር።

ወኪል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብዛዕባ እዚ ኣብ ኤርትራውያን ኣተኩሩ ዝወርድ ዘሎ በደላት ንምግታእ ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ስጉምቲ ብዘይ ብውሳዱ ብዝተፈላልዩ ተጣበቅቲ መሰል ሰብኣዊ ጉዳያት ከም ዝተኾነነ ዝዝከር ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ዝኾነ ለውጢ ብዘይ ምምጽኡ ድማ ነቲ ኩነታት ዝያዳ የብእሶ ከምዘሎ ይሕበር ።