ኤርትራዊት ኣደ ግን ብምንታይ እያ ክትሕበን፧ እታ ኣደ ኣሻሓት፡ ኣሽሓት ወሊዳ ሓደ’ኳ ዘጸናንዓ ውሉድ ስኢና፣ ውላድ መኻን ኮይና ስለ ዝተረፈት ድያ ክትሕበን፧ ነቶም ኣብ ሸላታት ሓሽፈራይ፡ እንዳ-ቦይ ርጉምን ዒራዒሮን ዝተኣስሩ ቦኽርን ሕሳስ-ልደን ውሉዳ ኮሎክዮ ከተብጽሓሎም ከብዲ እግራ ሓቢጡ፡ ደም ቲዕቲዕ ኢሉ፣ ኣዒንታ ብንብዓት በስቢሱ፡ ተስፋ ስኢና ኣብራኻ ለሚሱ፡ ኣዒንታ ስለ ዝጠለማ ድያ ክትኮርዕ፧ ዶስ ደቃ ኣብ ምድረ-በዳ ሳህራ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተሰትዮም ስለ ዝተረፉ፧

ኣብ ወጻኢ ሃገር፣ ከናዳ፡ ስዊድን፡ ኣሜሪካን ሆላንድን ዝቕመጡ፡ ናብርኣ ዝጥውሩ፡ ዝሕግዙ ውላድ ኣይለኣኸትን እሞ፣ ንተማሃሮ ደቃ መመዝገቢ ቤት/ ትምህርቲ ስኢና፡ ስለ ዝተጨነቐት ድያ ኲርዕርዕ ክትብል፧ ጥሜት ደቃ ኣሕሲብዋ ንድራር እለቶም ክትብል ተሰነይ-ኣስመራ ክትሸቓቕጥ ምስ ጀመረት፡ ኣብ ገዛእ ዓዳ “ኣቑሑትኪ ናብዚ ኣብልዮ… ናብቲ። ተሃጊርኪ ኢኺ። ዘይሕጋዊት ሰራሕተኛ ኢኺ!” ኢሎም ስለ ዘባሳጨውዋ ድያ ክትሕበን፧

“ዋላ ተኾርሚኺ ሙቲ፡ ዋላ ኣብ ገዛ ተዓጺኺ ደቅኺ ጸሎት ኣድርርዮም ወይ ገዛ ገዛ እና ኣተኺ ለምንሎም ኣይግድሸናን’ዩ። ንስኺ ትኾንዮ ብዘየገድስ፣ ንሕና ዘየፍቀድናልኪ ከይትሰርሒ፡ ንሕና ኪድዮ ዘይበልናኪ መንገዲ ከይትኸዲ!” ስለ ዝተባህለት ድያ ደስታ ክስመዓ፧

“እቶም ጸላእቲ መንእሰያት፣ ኤርትራ ሃገርኲም ኣይኮነትን ኢሎምና። ንሕና ግን ኣይንሰምዖምን። ብደም ኣሕዋትና ዝመጽአት ሃገር እልፊ ዓጃውስ ክጻወቱላ ኣይነፍቕድን። ካብ ሃገርና ፈልከት ኢልና ኣይንወጽእን!” ዝበሉ ደቃ፣ ናይ ፖሎቲካ ኣድመኛታት ተባሂሎም ስለ ዝተኣሰርዋ ድያ ክትሕበን፧ ዶስ ካብ ግፋ ክድሕኑ፣ ከም ደቂ-በረኻ ፈቐዶ እንዳ ሓሰር ስለ ዝሓደሩላ፧

ኣንኳይ ኣብ መስዋእቲ ውሉዳ፡ ኣብ ሞት ሓላፍ መንገዲ ከማን ከብዳ ዘየኽእለላ፡ ንእለት ንብዓት ንዝስዕራ፣ “ሞት ውሉድኪ ሓበን’ዩ ‘ሞ ዓልሊ፡ ኣይትብከይ፡ ኣይትንብዒ” ተባሂላ ሞት ውሉዳ ብንብዓት ከይተፋዂሶ ስለ ዝተኣገደት ድያ ክትሕበን፧

መንግስቲ ብምቅዋማ ጥራይ፣ እቶም ኣሕዋቶም፡ ኣቡኦም፡ ኣዲኦም፡ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣቐሚጦም፡ ሕሉፋት ኣፍቐርቲ ሃገር ክመስሉ፣ ምስ ጸላእታ ወጊኖም፣ “ንሕናን ንሱን” እናዘመሩ ደቃ ስለ ዘጓንዩላ፡ ስለ ዝሓጨጩላ ድያ ክትሕበን፧

…ወይስ በቶም ቆለ ሳዕስዒት ዘለዎም፣ ቀይሐ መይሕ ተኸዲኖም ኣብ ፈቐዶ ፈስቲቫላት ዝዓጒ ድያስፖራታት ርእያ’ያ፡ ስግረዶብ ክሰግር ብጥይት ዝተሃረመ ወዳ ዘኪራ ከተኽመስምስ፧ ስደት ዝወጽኡ ደቃ፣ “ተቓመውቲ ኢዂም’ባ፡ ሸየጥቲ ሃገር ኢኹም’ባ” እና ተባህሉ፡ ምስ ይሁዳ እናመሳሰሉ ውጉዝ ኩንን ስለ ዘበሉላ ድያ፣ ጸርፊ ደቃ ምንጪ ሓበና ክኸውን ዝሕረ ዘሎ፧ ኣቤሎ’ባ እቲ ኲርዓት፧ ወዳ ብሞት ዝሰኣነት ኣደ’ኸ፣ “ጽንዓት ይሃብኪ!” ‘ምበር ተሓበኒ’ዶ ትብላ ኢኻ፧ አረ ኤርትራዊት ኣደ ብምንታይ እያ ክትሕበን ንገሩኒ፧ እንታይ’ዩ እቲ ዘደስታስ ጨኒቕኒ ‘ሎ፧ ኣደይሲ ብምንታይ’ያ ‘ባ ክትኮርዕ!፧

ብ ሜሮን ሃብተማርያም