ኣብ ስግር ባሕሪ ዝዕንትር ዘሎ ኤርትራዊ ቃልሲ ንፍትሒ ፡ መሳርዑ ኣደልዲሉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይቃረብ ርዒዱ ምህላዉ ዝንገረሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ዘዋፍሮም ሰለይቲ ቊጽሪ የዛይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ ፡ርዋንዳን ኣንጎላን ዝነጥፉ ምንጭታት ኤሪሳት ኣብ ዘመሓላለፉልና ሓበሬታ፡ ኣብተን ሃገራት ዘሎ ልዑል ቊጽሪ ኤርትራዉያን መንእሰያት ንጉጅለ ህግደፍ ቀጻሊ ስግኣት ክፈጥረሉ ምጽናሑ ጠቒሶም፡ ኩሉ ዓይነታዊ ምቅስቓሳት እቶም መንእሰያት ንምቊጽጻርን ንምጽላዉን ዝሓየላ ኢምባሲታት እቲ ጉጅለ ኣብተን ሃገራት ኪህልዋ ከምዝገበረ ብምዝኽኻር፡ በዚ ገና ዘይተኣማመነ ህግደፍ ናብተን ሃገራት ዘዋፍሮም ኣባላት ስለያ ብቚጽሪ ኪዉስኽ ይጓየ ከምዘሎ የረድኡ።

ብፍላይ ኣብተን ኤርትራዉያን ብስራሕን ወፍሪን ተወዳደርቲ ኮይኖሙለን ዘለዉ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳን ኣንጎላን ናይ ዝዉሰኹ ዘለዉ ኣባላት ስለያ ህግደፍ ቊጽሪ ልዑል ከምዝኾነ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘብርህ።

ህግደፍ ፣ እቲ ኣብ ስደት ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ደምበ ፍትሒ ናብ’ዚ ዞባ ልሒሙ መሳርዑ ከደልድል እንተኽኢሉ ፣ ዝኸበደ ብድሆ ከምዝኾኖ እዩ ዝኣምን።

ኣብ ሞንጎ ኤርትራዉያን ደልይቲ ለዉጢ ዉሽጢን ግዳምን ዝህሉ ዝምድና፡ ንሃንቀዉታ’ቲ ልቦናን ብስለትን ዝመርሖ ለውጢ ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘኽብርን ዘቐድምን ኪኸዉን ከምዝግባእ ብተደጋጋሚ ክጽዋዕ ጸኒሑ እዩ።

ሓይልታትን ወገናትን ኤርትራዊ እዋናዊ ቃልሲ ፡ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ዝምድናታት፡ በቶም ንድሕነትን ራህዋን ህዝቦምን ሃገሮምን ዝሰርዕዎም ዕላማታት ኽግዝኡ፡ እዚ ክሳዕ ዘይኮነ፡ እቶም ዝምድናታት ካብ ዝኾነ ወገን ንዝፍኖ መጥቃዕቲ ቅሉዓትን ተኣፈፍቲን ከምዝኾኑ እዉን ካብ ህዝቢ ቀጻሊ ምሕጽንታ’ዩ ዝመጽእ።

ጉጅለ ህግደፍ ናብ ቀጽሪ ኤርትራውያን ተቓለስቲ እንዳሰሎኸ፡ ኣብ ሞንጎቶም ንለውጢ ዝጽዕቱ ዘለዉ ሃገራውያን፡ ነንሕድሕድ ዘታርዂን ንናይ ምትእምማን መንፈስ ዝሕልዂን ከይስታት ይዘርእ፥ እቲ ሓቐኛ ቃልሲ፡ ብንኡሳን ፍልልያትን ነቶም ፍልልያት ስዒቦም ብዝኽሰቱ ምግድዳዓትን ጅሆ ንምሓዙ ድማ ዝተፈላለዩ ሜላታት ይፍትን ምህላዉ ኣይርሳዕን።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ተርኒዑ ዘሎ ናይ ለውጢ ቓልሲ ነዚ ብጉጅለ ህግደፍን ተመለኽቱ ወገናትን ዝራባሕ ዘሎ ናብ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ዝቃረብ ስልቲ ስለዝነቐሓሉ፣ ዕላማኡ ከይሰሓተ ይግስግስ ምህላዉ ዝሕብሩ ምንጭታት ኤሪሳት፡ ኣብ ግዳም ዝነጥፍ ዘሎ ቀጽሪ ፍትሒ ምስቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ናይ ለዉጢ ወግን ተቓሪቡ ዝሰርሓሉ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ምህላዉ ኣይርሳዕን።