ኣብ ከተማ ካዛብላንካ ናይ ሞሮኮ ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ግዝያዊ መዓስከር ንምእላዮም ኣብ ዝተገብረ ፈተነ ምስ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ረጽሚ ኣትዮም ።
እዚ ተርእዮ እዚ ናይ መጀመርያ ከምዘይኮነን ዝሓበሩ ሰብ መዚ እታ ሃገር ፡ነቶምም ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ንምግዓዞም ኣብ ዝግበር ፈተነ ቀጻሊ ምስ ፖሊስ ከም ዝራጸሙን ይጠቅሱ ።
ማዕከናን ዜና እታ ሃገር ብሶኑይ 16 ጥሪ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበረታ ፣ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ወሰን ከተማ ካዛብላንካ ካብ ዝርከብ ቃልዕ ሰፈራ ንምግዓዞም ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ንሓደ ኣባል ፖሊስ ከምዘቁሰሉን ኣብ ብርክት ዝበላ መካይን ጉድኣት ከምዘብጽሑን ጸብጺቡ።
ፖሊስ ነቲ ፍጻመ ስዒቡ ወደብቲ ናይቲ ዕግርግር ኢሉ ዝጠርጠሮም ካብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ዝመጹ 6 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወን መርመራ ይካየደሎም ከምዘሎን ኤኤፍፒ ንማዕከን ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ ገሊጹ።
ሞሮኮ ንብዙሓት ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ዝመጹ ኣፍሪቃውያን ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ቀንዲ መተሓላለፊት ሃገር ከምዝኾነት እያ ትጥቀስ
ምንግስቲ መሮኮ ንምግታእ እዞም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኢውሮጳ ብዝብል ምኽንያት ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰነዳት ዘይብሎም ካብ ትሕቲ ሰሃራ ዝመጹ ኣፍሪቃውያን መንበሪ ፍቓድ ሂቡ ኣብታ ሃገር ሰለማዊ ሂወት ክመርሑ ከምዝገብር ዝፍለጥ ኮይኑ ፡ እዚ ግን ነቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ከጋዲዶ እንበር ክንክዮ ከምዘይተራእየ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ይጠቅሱ።
ፖሊስ ነዚ ኣብ ወሰናስን ከተማ ካዛብላንካ ተደጊኑ ዝርከብ ሰፈራ ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ንምፍራሱ ኣብ ዝህቅነሉ ብቀጻሊ ምስ ስደተኛታት ከምዝራጸምን ብርክት ዝበለ ንዋታውን ሂወታውን ጉድኣት ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ከምዝበጽሕን ኤኤፍፒ ይሕብር ።
ኣብ ሰነ 2019 ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ብዝተኸስተ ባርዕ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ናብ ሆስፒታል ከምዝተዓቅቡን ብርክት ዝበሉ ከምዝቆሰሉን ዝዝከር እዩ ።