ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ባይታ ዘየለ ስግኣት ኣመኽንዩ ኣብ ልዕሊ መላእ ሃገር ኣዊጅዎ ዘሎ ምግፋፍን ምንግልታዕን ዜጋታት ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽሎ ከምዘሎ ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ኣብ ሓበሬታኦም፣ ደቅኽንን ሰብኡትክንን ኸይከቱ ሓንጊዶም ብዝብል ምስምስ ናብ ማእሰርቲ ዘምርሓ ናይ ዘለዋ ኣዴታት ቊጽሪ ዕለታዊ ይዛይድ ምህላዉ ኣረዲኦም።

ኣብ ዞባታት ጋሽባርካን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ዝርከቡ መዳጎኒ ቀጽርታትን ወተሃደራዊ ማእከላትን ዝዉሰዳ ኣዴታት ምህላወን ደጊሞም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት ፣ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ ዓቕሊ ጽበትን ራዕዲን ኣትዩ ምህላዉ በቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዘዛይዶም ዘሎ ጸቕጥታት ይኽሻሕ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ጉጅለ ህግደፍ: ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ኣርሒቖም ኣብ በረኻታት ንዝሕብኡን ካብ ከባቢኦም ንስደዱን ዘለዉ ወገናትና ንምርኽኻብ ብቀጻሊ መንበሪ ኣባይቶም ይዕሽግን ንግዳዊ ትካላቶምን ጥሪቶምን ይህግርን ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ደማዊ ኩናት ብሰላም ኣብ ዝፍትሓሉ ዘሎ እዋን: ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ዘይምልከቶ ሓዊ ዝጥበስ ዘሎ ወገኑ ክድሕን ተተስፍዩ እኳ እንተነበረ: ጉጅለ ህግደፍ ግን ህዝቢ ቀሲኑ ዕለታዊ ህይወቱ ንኸይመርሕ ኣብ ምዝራግ ይርከብ።

እቲ ምንግልታዕ ስድራቤታት ቀይዲ በቲኹ ምህላዉ ዘመልከቱ ምንጭታትና፣ ስሙያት ዉልቀሰባትን ፡ ኣብ ትካላት ህግደፍ ብመሪሕነት ክነጥፉ ዝጸንሑ ሰራሕተኛታትን ከይተረፉ፡ ገለ ገዝኦም ይቚለፍ ገለ ድማ ናብ ማእሰርቲ የምርሑ ምህላዎም ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ መላእ ሃገር ሰፊኑ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምርዓድ ወፍሪ፡ ነቲ ስርዓት ደርግ ካብ ሓይሊ ኣብ ዘርሓቐሉ ቅንያት ዝነበረ ከቢድ ህሞት ከምዘዘኻኽር ደጊሞም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ ከቢድ ራዕዲ ኣትዩ ከምዘሎ ባዕሉ ብተግባሩ ይሕብር ምህላዉ እዮም ኣገንዚቦም።

ነቲ ብጉዳይ ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያ ሕጂ ድማ ብዂናት ሕድሕድ እታ ሃገር ኣመኽኒዩ ንህዝብና ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ናይ ክተት ኣዋጅ ዘህልኽ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ሕጂ ናይ ኢትዮጵያ መመኽነይታኡ ይጽንቀቕ ብምህላዉ፣ ካብ ህዝቢ ንዝመጽእ ሃገራዊ ሕቶን ጠለብን ንምጥምዛዝ ናይ ራዕዲ ወፍርታት ከተግብር ምዃኑ ክግመት ጸኒሑ እዩ።ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ተነቒሉ ምህላዉ ፣ ህዝብን ሰራዊት ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገር ዝድለ ለውጥን ምምሕያሽን ብዘይፍርሒ ኪሓትት ከምዝኾነ ኣጸቢቚ ዝፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፣ ህዝባዊ ቐልቢ ዝጥምዝዙ ሓደሽቲ ተዋስኦታት ካብ ምፍብራኽ ከምዘየዕርፍ እዉን ምንጭታትና ኣቐዲሞም ሓቢሮም እዮም።