ኣብ ጎረባብት ሃገራት ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ፡ መሰሎምን ድሕነቶምን ንምውሓስ ዘቕርብዎም ጠለባት ከይስማዕ ዝዕንቅፍዎም ምምሕዳራዊ በደላት ንምግታእ፡ ሕጂ’ውን ናብ ክፍሊ ጥርዓን ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኪሕብሩ ከምዝግባኣ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰብ መዚ’ተን ዑቕባ ዝሓቱለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝወርድ በደላት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ምህላዉ ሓያለ ኤርትራውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብቐጻሊ ዝሕብራ ኮይነን፡ እቶም ኤርትራውያን ነቶም በደላት ንምግታእ ብዘይስክፍታ ደዉ ክብሉ ከምዝግባእ ይመኽራ ኣለዋ።

ኣብ ከም ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ግብጺን ካልኦት ዝቃረባና ሃገራት ኣፍሪቃን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፡ ብሰብ መዚ ስደተኛታት  እተን ሃገራት ቀጻሊ ምምሕዳራዊ በደላት ከምዝወርዶም፡ ናይ ዑቕባ መሰላቶም እዉን ብብላዕን ካልእ ሓለፋታትን ኪረኽብዎም ከምዝግደዱ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ነዚ ንምግታእ ፡ ተበዲልና ዝብሉ ስደተኛታት ናብ InspectorGeneral@unhcr.i-sight.com ጥርዓኖ ከቕርቡ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እየን እተን ተሓለቕቲ ኣካላት ዝምሕጸና።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ንናይ ስደተኛ መሰላቶም ብዘይተደልየ ገንዘባዊ ክፍሊት ከማልኡ ከምዝመርጹ፡ ነዚ ዝተረድኡ ሰብ መዚ ስደት እተን ዝቕመጡለን ሃገራት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ቀይዱ ዝበተኸ ገንዘባዊ ጠለባት ከቕርቡ ከምዝረኣዩ ይንገር።