ምስ እዋናዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ናይ ረብሓ ዝምድናታት ኣደልዲሉ ምህላዉ ዝንገረሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ተጠመቲን ንህላዌ ጉጅለኡ ኣስጋእቲን እዮም ዝብሎም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ካብ ሱዳን ንምጭዋይ ከካይዶ ዝጸንሐ ምድላዋት ከምዘጻፈፈ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ከተማ ካርቱም ኣቃሊዖም።
ስለያዊ ተልእኾ ህግደፍ ኣብ ምዕባብ ዝነጥፉ ኣባላት ኤምባሲን ማሕበረ-ኮማትን ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ኣብ’ቲ ምድላዋት፣ ዒልማ ዝኾኑ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ንምምማይ ሓበሬታታት ኣብ ምእካብ ወፊሮም ምጽንሖም ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት ፡ ኣብ’ታ ሃገር ብፍላይ ድማ ከተማታት ካርቱም፡ ከሰላን ፖርት-ሱዳንን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ምንቅስቓሳቶም ጥንቃቐታት ከቐድሙ ኣትሪሮም ኣጠንቂቖም ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም፡ ኪንዮ ዝህቦ ዝሕቱል ዜግነታዊ ኣገልግሎታት፡ ንኩነታትን ድሕነትን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዘይኮነ ንእንታይነትን ደረጃ-ስግኣትን እቶም ዜጋታት ኣብ ምጽጻይ ብቐጻሊ ከምዝሰርሕ ይፍለጥ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝእከብ ልዑል ቊጽሪ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ከም ናይ ቀረባ ስግኣት ንህላዌኡ ስለዝወስዶ፡ ነዚ ወገን እዚ ንምድኻም ምስ መንግስታት እተን ጎረባብቲ ሃገራት ህዉኽን ዘይልሙድን ዝምድናታት ክሃንጽ ከምዝርአ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ ።