ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ናጽነትና ዘይተዋሕጠሎምን ንምቕባሉ ዕረ ዝጠዓሞምን ብዙሓት ስሱዓት ኢትዮጵውያን ከምዘለዉ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ነቲ ክውንነት ዝቕበሉ ድማ “ኢትዮጵያ ትኣክል ዓባይን ታሪኻዊትን ሃገር ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ክትተርፍ ኣይግባእን። ምንጻል ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብውሳኔ መራሕቲ ወያነ እምበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይፈቐደን” ዝብሉ ምጉትን መመኽነይታን ክህቡ ይስምዑ።

ካልኦት ድማ “ኢትዮጵያ ወደባት ኤርትራ ናይ ምጥቃም ሕጋዊ መሰል ኣለዋ” ብምባል ቀይሕ መስመር ዝሰግሩን ዝፍክሩን ሕሉፋት ውልቀ ሰባትን ውድባትን ኢትዮጵያውያን’ውን ኣይተሳእኑን። ኢትዮጵያ ብብዝሒ ህዝባ ተመኪሓ ወይ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ ዝተፈልየ ታሪኽ ኣለዋ ብዝብል ጽውጽዋይ ዘይናታ መሬት ክትግብት ዘምሕረላ ኣይኮነን፡፡

ኣብ ዓለም ከም ኢትይዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ህዙሓት ሃገራት እኳእንተለዋ ንኻልኦት ኣህዛብ ክጎብጣ ኣይተራእያን ምንባር’ውን ኣይስኣናን። ኢትዮጵያ ከኣ ካብ ዕዉር ምጉት ይግብኣኒ ወጺኣ ባሕሪ ኤርትራ ብልቦናን ብስምምዕን ክትግልገል ዝኽልክላ የለን።

ብርግጽ ኢትዮጵያውያን ነቲ ዘይመሬቶም ንምጉባጥ ካብ 1961 ክሳብ 1991 ኣብ ኤርትራ ዘህለቕዎ ህይወት ሰብን ቢልዮናት ዶላርን ፍረ ከይሃበ ኣብ መወዳእታ ብጽንዓትን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ ተደሲቆም ካብ ኤርትራ ከምዝወጹ ዝኽሕድዎ ኣይኮኑን። እንተኾነ ከምቲ “ምብላዕካ ዝለመደ ክርኤካ የምባሁቕ” ዝብሃል፡ ኢትዮጵያውያን ቀይሕ ባሕሪ ክዝክሩን ከቋምቱን እንከለዉ ሕዱር ሕማሞም ይደግሶም እዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን ናይቶም ከም ስጋ ዝርኣየ ከልቢ እናሻዕ ዝዓብዱን ዝዘሉን ጓኖት ኢትዮያውያን ዘይኮነ፡ ናይቶም ብኣፎም ኤርትራውያን ኢና ዝብሉ ብሃገራዊ ክብርን ልኡላውነትን ህዝቢ ኤርትራ ብፍላጥን ብግርህናን ዝዋገዩ ኤርትራውያን ኢዩ። ብእከይ ተግባርን ባህርያትን ናይዞም ስማውያን ኤርትራውያን ምስተዓዘብካ፡ ጸላኢና ብድሕሬና ድዩ ዘሎ ብቅድሜና ትደናገር።

ዋላ እቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ተሰኪሙ ክጋደል ተመኽንዩ ናብ በረኻ ወጺኡ ዝተባህለ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ’ውን ኣብ 2018 ኣግሂዱ “ብቀደሙ ምዕራባውያን ገዛእቲ’ዮም ፈላልዮሙና እምበር ሓደ ህዝቢ ኢና” ኢሉ ብዕሊ ኣብ ኣደባባይ ተጠሊዑን ኣፍልቡ እንዳጠብጠበን ምግላጹ፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝባኑ ዝቀልዐ ኢትዮጵያዊ ጥራይ ዘይኮነ ኤርትራዊ’የ ኢሉ ዝምሕልን ዝጥሕልን እውን ከምዘጠቃልል ጭቡጥ መርትዖ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ገለ ብቅልውላው መንነትን ብረብሓን ዝተደፋፍኡን ዝሓመሙን ንኤርትራዊ ክብርን መንነትን ዝጅልሑን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግሁድ ጥልመት ዘንጸባርቑ ኤርትራውያን ተራእዮም ኢዮም። እቶም ጠላማትን ጉሓላሉን ኤርትራውያን፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ተሰኪሞም “ተደምረናን ፍቕር ያሸንፋል” ኢሎም ክጭርሑን ክዘሉን እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ዖና በሲግ ደራ፡ ኣቁርደት፡ ባጽዕ፡ ኣስመራ፡ ሃዘሞ፡ ወኪ ድባ፡ ዓዲ ቀይሕ፡ ሞልቊን ካልእ ከባብን ዝወሓዘ ደምን ዝሃለቀ ህይወትን ናይ ኤርትራውያን ዘኪርካ “ብኻባ ማይ ኮይኖም ተወሊዶም” ኢልካ ትረግሞም።

ኤርትራውያን፡ ብወተሃደራዊ ብዲፕሎማስያዊ ብቁጠባውን መዳያት ነብስና ክንክእል እቲ እንኮ ምርጫ ምዃኑ እንማትኣሉ ፍልስፍና ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ምስ ውሽጣዊ ኩነታትናን ሰብኣዊ ዓቕምናን ብምግንዛብ፡ ልዕሊ ሰብና ዝያዳ ክንሰርሕን ክንምርሽን ክንጸንዕን ኣለና። ውሽጣዊ ዓቕምና ከይወደብናን ከይተጠቀምናን ተጸበይቲ ካልኦት ክንክወን ግን የብልናን።

ምስ ጎረባብትና ዓለምን ኣብ ክልተኣዊ ረብሓን ሓድሕድ ምክብባርን ዝሕመረቱ ንጹርን ተዓጻጻፍን ምትእስሳርን ዝምድናን የድልየና። ኣብ ፖለቲካ ዓለም ናይ ዘልኣለም ፈታዊ ወይ ጸላኢ ዝብሃል የለን ዝብል መግለጺ ብዝግባእ ምግንዛብ የድልየና። ንጉሆን ምሸትን ዝቀያየርን ተመሊሱ ብኩርንዒት ዝሃርመካን ፖሊሲ ክህልወካ የብሉን። ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ፖሊሲታትካ ንሓድሕዶም ብኸመይ ይዋሰቡን ይፈናተቱን መለክዒ ክህልወካ ኣለዎ።

ምስ ኢትዮጵያ ብብዙሕ ታሪኻዊ ምኽንያት ካብ ካልኦት ጎረባብትና ሃገራት ዘመሳስል ረቋሒታት ስለዘለና፡ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ኣርሒቑ ዝሓስብን ጥዕና ዘለዎን ስርዓታት እንተተመስሪቱ ዝሓየለን ዝጠበቀን ኩሉ መዳያዊ ምትሕግጋዝን ክግበር ጸገም የብሉን። ነዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ጥጡሕ መንገዲ ዝጸርግ ድማ፡ ኣብ ሕሉፍ ዝተገብረ በደላት ብኽፉት ልቢ ሕድገታት ክግበርን ምትእምማን ክህሉን እንከሎ ኢዩ።

እንተኾነ ኢትዮጵያ ቅድሚ 1991 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸመቶ ምጽናት ህይወት፡ ምዕናው ቁጠባ፡ ምኽላስ ሃገራዊ መንነትን ክብሪታትን ክሳብ ሎሚ ኣሚና ይቕሬታ ኣይሓተተትን። ንሕና’ውን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ጉጅለ ህግደፍ፡ ከም ናጻ ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ዘቕረብናዮ ዕላውን ሕጋውን ሕቶ የለን።

ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸመቶ ባርባራዊ ግፍዒ ክትኣምንን ብልቢ ይቕሬታ ክትሓትትን ሞራላዊ ግዴታን ሓላፍነት ኣለዎ። ከምቲ “ናይ ዝሓለፈስ ሓሊፉ ብዝመጽእ ኣይትድገመኒ” ንስለ ጽቡቕ ጉርብትናን ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋን ተባሂሉ ኣብ ሕሉፍ ክንዋጠጥ የብልናን ንቅድሚት ንጠምት” ዝብል ሰናይ ድሌት ፍረ ክረክብ ልቢ ክነጽህ ኣለዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝፈሰሰ ደምና ከይነቐጸ ካልእ ህይወት ምኽፋል ዝህንጠ መንግስቲ ወይ መራሒ እንተሎ ግን እቲ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ስድራቤት ጸሊም ክዳን ዘልበሰ ጸጉሪ ርእሲ ዘደርመመ ቁጠባ ዘማሰነ ምድጋም’ዩ ክኸውን። ኣብ ዓለም ኩናት ሰብ ዝበልዕ ሃብቲ ዘብርስ ምዃኑ፡ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግንዘብ ህዝቢ የለን።

ኤርትራውያን ድማ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዋላ’ኳ ንጽቡቕ ጉርብትናን ሰናይ ትምኒትን ቀዳምነት እንህቦ እንተኾነ ነቲ ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሌና ዝተፈጸመ በደላትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ሰጊርናዮን እምበር ኣይረሳዕናዮን። ብፍላይ ከኣ እቶም ካብ ሕሉፍ ገበናቶም ክመሃሩን ክናስሑን ድሉዋት ዘይኮኑን ካብ ሰላምን ምዕባለን ረብሓ ዘይብሎም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ዝነደረ ልብና ሩህሩህ ኣይኮነን።

ቢተወደድ ሳልሕ ስዒድ ዓሊ ሓጃይ