ጉጅለ ህግደፍ ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ይወጽእ ምህላዉ ብወግዒ ካብ ምሕባር ምሕንጋዱ፣ መራሒ እቲ ጉጅለ በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ክሳብ ክንደይ ጉህዩ ከምዘሎ ዘመላኽት ከምዝኾነ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም።
ንኽልተ ዓመት ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብግዲ ዝተሳተፈ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ሃገሩ ይምለስ ኣሎ እንዳተባህለ፡ ህግደፍ ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ንምልሶት ሰራዊት ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝኾነ ቃል ከይወጽእ ከልኪሉ ከምዘሎ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ምምላስ እቲ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ህይወቱን ኣካሉን ኪኸፍል ዝጸንሐ ሰራዊት ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ጎስጓስን ተራ ዉልቀሰባትን ኪንገር ምፍቃዱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቕ ከምዝኾነ እዮም ዘተሓሳስቡ።
ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ምዕራፉ ልዑል ተስፋ ጌሩ፡ ሃገሩን ደቁን ናብ ጎደና ራህዋ ከብሉ እዮም ኢሉ ኣብ ዝትስፈወሉ ዘሎ እዋን፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ – ኤርትራ ዝበኣሰ ተጻብኦ የንጸላልዋ ምህላዉ ዘፈራርህን፡ ንዝሓየለ መኸተ ክትዳሎ ዝጽዉዕን ተስፋ ዘቚርጽ ናይ ሓድሽ ዓመት መልኽቲ ምስዳዱ ኣይርሳዕን።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ፣ ኣብ ስልጣን ዝቕጽለሉ ዝኾነ ምኽንያት ንምዉሓስ ሽርሕታት ከቃጥን ምዃኑ ብኣጋኡ ተገሚቱ እዩ። ብጉዳይ ወያነን ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ 22 ዓመታት ኣብ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን ኸርዲኑ ስልጣን ክብሕት ዝጸንሐ ህግደፍ፣ ሕጂ ነቲ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ምኽንያት ስለዝሰኣኖ፣ ኣብ ባይታ ዘየለዉ ሓደስቲ ስግኣታት እንዳመስርሐ ህዝቢ ኣብ ቀጻሊ ራዕዲን ተገዛእነትን ክቕጽል ካብ ምስራሕ ከዕርፍ ከምዘይኮነ እዉን ምጭታትና ብተደጋጋሚ ከተሓሳስቡ ጸኒሖም እዮም።
ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኪፍታሕ ዘቃርብ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢን ሰራዊትን ኪመጾ ንዝኾነ ሕቶታት ሃገራዊ ልምዓትን ፖለቲካዊ ጽገናን ክምልስ ዓቕሊ ይኹን ተጻዋርነት ስለዘይብሉ ፣ ንኤርትራ ናብ ካልእ ኲናት ወይ ናብ ተወሳኺ ኣህጉራዊ እገዳታት ዝሸሙዋ ሽርሕታት ኣዳሊዩ ከምዝህሉ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ ዉሽጣዊ ሽግር ኤርትራ ብህዝባን ሰራዊታን ጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል እዮም ዝሕብሩ።
ህግደፍ ንሰራዊት ኤርትራ ብዘይወግዒ ናብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ስለዘእተዎ ንምምላሶም ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ኪገብር የጸግሞ እዩ ዝብሉ ገለ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ዘለዉ ኮይኖም፣ እዚ ማለት ኣብ’ቲ ኲናት ዝወደቚ መንእሰያት ኤርትራ እዉን ወግዒ ክኽልኡ ከምዝኾኑ ዘአንፍት እዩ።