ንምዉጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሓያለ ከባቢታት ትግራይ ደገፋ ትገልጽ ዘላ ኣመሪካ፣ ቆላሕታኣ ናብ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ክልል ኦሮሞ ድማ ብፍላይ ቀይዲ ዝበትኽ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልዉላዉ ተብሎ ምህላዋ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ዘቃንዐ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፣ ኣብ ዕላሉ – ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ኪወጽእ ምጅማሩ ነቲ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንምዕራፍ ተኸቲሙ ኣብ ትግባሬ ዝርከብ ስምምዕ ሰላም ተወሳኺ ተስፋ ዘስንቕ ምዃኑ ጠቒሱ፣ ኣመሪካ ኣብ ክልል ኦሮሞ ንዝብእስ ዘሎ ግጭት ዝዓርፈሉ ኣማራጺታት ኣብ ምንዳይ ክትጽዕት ምዃና እዩ ሓቢሩ።
ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወጽእ ምህላዉ ብወግዒ ኣፍሊጣ ዘላ ኣመሪካ፣ ሕጂ ኣቓልቦኣ ናብ ክልል ኦሮሞ ምግባራ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ዘሎ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ኣብ መፈጸምታ ኪበጽሕ ዝዕንቅጽ ጉዳይ ከምዘየለ ተኣማሚና ኪትከዉን ከምእትኽል እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝትንትኑ ።
ኣብ ትሕቲ ዕጡቕ ሓይሊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንዝጸንሑ ከባቢታት ነጻ የዉጽእ ከምዘሎ ዝገልጽ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፣ ነቲ ዕጡቕ ሓይሊ ምሉእ ብምሉእ ንምድቓቕ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣሐዲሱ ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዓበይቲ ዓወታት የመዝግብ ምህላዉን እዩ ዝሕብር።
ሰራዊት ፈደራል ነቲ ዕጡቕ ሓይሊ ንምድቓቕ ካብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ከባቢታት ምዕራብ ወለጋን ካልኦት ሸነኻት እታ ክልልን ወተሃደራዊ ወፍሪ እኳ እንተጀመረ ፣ እቲ ወፍሪ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ምስ ህወሓት ፣ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ምህላዉ እዩ ዝንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እዉን ፣ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ነባሪ ርግኣት እታ ክልል ንምርግጋጽ ኣብ ልዕሊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ጸጥታ እታ ክልል ኣብ ምብራዝ ዝነጥፉ ዕጡቓትን ስርዓት ናይ ምኽባር ወፍሪ ከምዝጅምር ኣጠንቂቚ ነይሩ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፈራ ነታ ሃገር ከመይ ዝበለ ዕንወት ኣሰኪምዋ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ መንግስቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ተመሳሳሊ ወፍሪ የሐይል ምህላዉ ነታ ካብ ኲናት ሕድሕድ ካብ ተዕርፍ ነዊሕ ዘይገበረት ኢትዮጵያ ናብ ዝበኣሰ ዉድቀት ከምዝምርሓ እዮም ዘተሓሳስቡ።
ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝዓርግ ዘሎ ጎነጽ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ እንዳኾነ ይኸይድ ከምዘሎ ይፍለጥ። ሓያለ ፖለቲከኛታትን ሰልፍታትን እታ ክልል ፣ መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ኲናት ክልል ትግራይ ንምኽታም ምስ ህወሓት ዝበጽሖ ስምምዕ ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ገዚፍ ሓይሊ ወኒኑ ዝራጸም ዘሎ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ እዉን ተመሳሳሊ ስምምዕ ብምኽታም ንነባሪ ርግኣት እታ ክልል ክሰርሕ እዮም ዝጽዉዑ ዘለዉ።