መንግስቲ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ናይ ስራሕን መንበሪን ፍቓድ የብሎምን ዝብሎም ወጻእተኛታት ዘካይዶ ምእሳር ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽሎ ኣሎ። ኣብ ዉሽጢ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 3,000 ኢትዮጵያዉያን ዝርከብዎም ኣስታት 11,000 ወጻእተኛታት ብኣባላት ጸጥታ ስዑዲ ምእሳሮም ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ዉሽጢ እዚ ወርሒ ጥራይ ብጠቕላላ ዛጊት ኣስታት 30 ሽሕ ወጻእተኛታት ምስቲ ጉዳይ ብዝተተሓዘ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ዝግለጽ ኮይኑ፣ እቲ ብዘይሕጊ ይነብሩን ይሰርሑን ኣለዉ ኣብ ልዕሊ ዝበሃሉ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ምልቃም መስርሕ ዕለታዊ እንዳሓየለ ይኸይድ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ንስራሕ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ኢትዮጵያዉያን ስደተኛታት ዘሎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ይብእስ ምህላዉ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ክወቅስ ጸኒሑ እዩ። እቲ ትካል ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ከካይዶ ብዝጸንሐ መጽናዕቲ መሰረት ፣ ናይ ስራሕን ነባርነትን ፍቓድ የብሎምን ተባሂሎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክጽፍጸፉ ናይ ዝግበር ዘሎ ኢትዮጵያዉያን ስደተኛታት ቊጽሪ ልዕሊ 30 ሽሕ በጺሑ ምህላዉ እዩ ዘረድእ።
መንግስቲ ስዑድያ ፣ ኣብ ሃገሩ ብዘይ ናይ ስራሕን ነባርነትን ፍቓድ ዝጸንሕዎ ስደተኛታት ኣሲርካ ናይ ምጥራዝ ባህሪ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ኢትዮጵያዉያን ስደተኛታት ዝብእስ ዘሎ ኣተሓሕዛ ግን ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ እዩ ኣምነስቲ ዝሕብር።
ብመንገዲ ጂቡቲ ቀይሕባሕሪ የመን ናብ ስዑድያ ዝሰግሩ ዓሰረተታት ኣሽሕት ኢትዮጵያዉያን ግዳይ ኣሰጋገርቲን ደላሎን ብምዃን ብዘይዝኾነ ውሕስነትን ነባርነትን ስራሕን ንዝተፈላለዩ ኣካላዊን ገንዘባዊን ምዝመዛ ከምዝቃልዑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝወርድ በደል ንብዙሓት ኢትዮጵያዉያን ኣደዳ ዝተፈላለዩ ሕማማት ኣእምሮ ይገብር ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።
ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ቀጻሊ እትጥቀስ ስዑዲ ዓረብ ፣ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዉያን እዮም እትብሎም ስደተኝታት ዘለዋ ኣተሓሕዝዛ ኣዝዩ ሕሱም ከምዝኾነ እየን ከም ኣምነስቲ ዝኣመሰላ ተሓለቕቲ ኣካላት ዓመታዊ ዝጽብጽባ።
እታ ሃገር ክሳብ ምዝዛም 2022 ልዕሊ 100 ሽሕ ኢትዮጵያዉያን ስደተኝታት ናብ ሃገሮም ክትመልስ መደብ ሰሪዓ ክትሰር ምጽናሓ እዉን ይግለጽ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ስዑዲ ኣጎላጉል ተሪፎም ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝመጹ ዜጋታት ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝንገር እኳ እንተኾነ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝቕጽል ዘሎ ሕሱም ኣተሓሕዛ ንምዝላቕ ግን ምስ መንግስቲ ስዑዲ ኣብ ተግባራዊ ምርድዳእ ኣይበጽሕን ዘሎ።
ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዉያን ስደተኛታት ወሪዶም ዝበሃሉ ግፍዕታትን ፡ እቶም ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ግዳያት ዘንብርዎ ኣእምሮእኣዊ ስንክልናን ኣብ ገጻት ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርጋሕ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ይርከብ።