ኣብ ኤርትራ፡ ግቦ ከይሃብካ ዝሳለጡ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ይዉሕዱ ምህላዎም ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ደጊሞም ሓቢሮም።

ካብ ዝነኣሳ ክሳብ ዝዓበያ ህዝባዉያን ኣብያተ-ጽሕፈት ዘካይዱ ሓለፍቲ፣ ካብ ተገልገልቲ ሕቡእ-ክፍሊት ምሕታት ከም ልምዲ ወሲዶሞ ምህላዎም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ነቲ ብትሑት መነባብሮ ተዋጢጡ ዝርከብ ህዝቢ ተወሳኺ ተጽዕኖ ይኾንዎ ከምዘለዉ ኣተሓሳሲቦም።

ክፍሊ ኢሚግሬሽን፣ ብጉዳይ ጥዕና ንዝጥለቡ መገሻታት ዝባርኽ ቦርድ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ክፍሊ ጉዳያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ሚኒስትሪ ምክልኻል፣ ክፍሊ ኣታዊ ዉሽጢ ሃገር፣ ንግዳዊ ኮርፖሪሽን ቀይሕ ባሕሪ፣ ከምኡ’ዉን ክፍሊ መዝገብ ማሕበራዊ ጉዳያት ካብ’ቶም ጉዳይካ ክሳለጠልካ ብላዕ ዝሓቱ ቀንዲ ኣካላት ኮይኖም፣ እቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ክሳብ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ምምሕዳራት ከባቢ ተለሚዱ ከምዘሎ ይንገር።

ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ብልሽዉና ዝከታተል ኣህጉራዊ ኣካል፡ ዓመታዊ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መስፍራዊ ጸብጻብ፡ ንኤርትራ ኣብ ክቱር ብልሽዉና ተሸሚመን ምስ ዝርከባ ዳሕረዎት 20 ሃገራት ክጠቕሳ እዩ ዝርአ።

ኤርትራ ካብ’ቲ ትሑት ደረጃ ዳሕረዎት-20 ንልዕሊ 15 ዓመታት ፈልከት ከምዘይበለት እዩ ሰነዳት ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዘረድእ።

እቲ ንንጽህና ምሕደራን ፊናንሳዊ ትካላውነትን ኣማእኪሉ ዓመታዊ ሚዛን ሃገራት ዘቐምጥ ኣህጉራዊ ትካል፡ ኣብ ኤርትራ ትካላዉነት ዝነፍግ ምሕደራ ነጊሱ፣ ንሱ ብዝጠንቚ – ተሓታቲን ክፉትን ባጀታዊ ስርዓት ብዘይምህላዉ፡ ኩሉዓይነታዊ ብልሽዉና ኣብ መንግስታዊ ትካላት ሳዕሪሩ ከምዘሎ እዩ ዓመታዊ ዝጽብጽብ።

ንትካላውነት ካብ መሰረቱ ባይታ ዘይህብ ምሕደራ ዝኽተል ጉጅለ ህግደፍ፡ ብገበናት ብልሽዉና ክጥቀስ ምርኣይ ልሙድ ከምዝኾነ ዝሕብሩ ተንተንቲ ቊጠባ፥ ህግደፍ ንጹርን ንተሓታትነት ቦታ ዘቐመጠን ባጀታዊ ስርዓት ስለዘይክተል፡ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን ክመዝኖ ኣብ ዘይክእል ገዚፍ ስርቂ ይነጥፍ ከምዘሎ የገንዝቡ።

ካብ ጽላት ዕደና ዝኽዕበት ዘሎ ልዑል ኣታዊ ናበይ የብል ከምዘሎ ዘነጽር ንኡስ ሓበሬታ’ኳ ዘይምህላዉ ሓደ ኣብነት’ዩ ዝብሉ እቶም ተንተንቲ፥ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ነታ ጉጅለ ህግደፍ ዘዕንዋ ዘሎ ኤርትራ ዝህቦ ተርታ ልክዕ ከምዝኾነ እዮም ዝዛረቡ።