ብግብረሽበራውያን ውድባት ዝተሰንዓን ነታጒ ዝዓጥቃን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፡ ነተን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ስክፍታ ፈጢሩለን ምህላዉ ተሓቢሩ።

እዚ ስግኣት እዚ ኣብ ሃገራት ሶማልያ፣ ኢትዮጵያን ኬንያን እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎን ወከልቲ በዓል መዚ ኢጋድ ይገልጹ።

ኣልሸባብን ካልኦት ዕጡቓት ውድባትን ድሮ ነዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምዕጣቕን ኣብ ዝተወሰነ ቦታታት ንምጥቃዕን ምልኣኽን ክእለት የማዕብሉ ከምዘለዉ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

ኢጋድ ንኣባላቱ ዝኾና ሃገራት እቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ስግኣት ብኸመይ ደው ከምዘብልኦ ዝሕግዝ ስልጠና ኣብ ቢሺፍቱ ኤትዮጵያ ጀሚሩ ከም ዘሎ እውን ገሊጹ ኣሎ።

ዳይረክተር ፕሮግራም ጸጥታን ተልእኾን ኢጋድ ዝኾነ ኣቶ ኣበበ ሙሉነህ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ “ከም ኣልሸባብ ዝኣመሰሉ ግብረሽበራውያን ውድባት ነዚ ዞባ ቀንዲ ኣስጋእቲ ከም ዝኾኑን ድሮ እውን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ምውናን ምንቅስቃሳት ይገብሩ ከምዘለዉን መርትዖታት ረኺብና ኣለና ’’ ክብል ገሊጹ።

 

ንሱ ወሲኹ ፡ እቲ ኣገባብ ብዓቢኡ ኣልቃዒዳን ዳዒሽን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ከምዝኾነ፣ ኣልሸባብ ከምዚ ዓይነት ሜላ ከም ዝረኸበ ከም ዝኣምንን፡ እዚ ከምዚ ምስ ዝቅጽል ንሃገራት እዚ ዞባ ከቢድ ጸጥታዊ ጸገም ከምጽኣለን ከምዝኽእል ድማ ደምዲሙ ኣሎ ።

ኣቶ ኣበበ ወሲኹ ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ስግረ-ዶባዊ ንጥፈታት ኣልሸባብ ዝምልከት ጸብጻብ ከምዘውጸኤን ጠቒሱ፡ እቲ ጉጅለ ነተን ነፈርቲ ንመጥቃዕቲን ምእካብ ስለያዊ ሓበሬታታትን ከዉፍረን ጀሚሩ ከምዘሎ ብምብራህ፡ ኣልሸባብ ንሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ምስናድ ናይቶም ዘካይዶም ሽበራዊ ንጥፈታት እዉን ይጥቀመለን ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022፡ ኮሚተ ጸረ-ግብረ ሽበራ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝቕልቀሉ ዘለዉ ቴክኖሎጂታት ኣብ ኣገልግሎት ሽበራዉያን ጉጅለታት ከይውዕል ዝኽልክል ኣዋጅ ምጽዳቚ ይንገር።
እቲ ኣዋጅ፡ ኣብ ሞንጎ ዳዒሽን ኣልቃዒዳን ከምኡ’ዉን ካልኦት ሽበራዉያን ወገናት ንዝግበር ምስግጋር ኣጽዋር፡ ወተሃደራዊ መሳርሒታት፡ ዩኤቪን ኣካላተንን፡ ከምኡ’ውን ኣካላት ንብረት ነታጒ ዝቕይድ ኮይኑ፣ ኣባላት ሃገራት ንሽበራዉያን ጉጅለታት ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ደገፍ ካብ ምግባር ኪቚጠባ ዘተሓሳስብ እዩ።