ሚኒስትሪ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብኲናት ዝተሃስዩ ኢንዱስትሪታት ይግምግም ኣሎ ። ሚኒስተር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ማለት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንኣስታት 2 ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ኢንዱስትሪታት እታ ክልል ዝበጸሐ ጉድኣት ንምንጻር መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎ እዩ ተሓቢሩ።
ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ እቲ ዝግበር ዘሎ ገምጋም ብኣማኻሪ ሚኒስትር ኢንዳስትሪ ኣቶ መላኩ ኣለምበል ዝምርሖ ጉጅለ ክኢላታት እዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ትግራይ ተላኢኹ ንጥፈታቱ ኣብ ምጅማር ከም ዘሎን ፣ ብኲናት ንዝዓነዉ ትካላት ኣጽኒዕካ ብቕልጡፍ ንምጽጋኖም ብዛዕባ ዘኽእሉ ኣማራጺታት እውን ረቂቕ ሰነድ ኣብ ምድላው ከምዝርከብን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ሚኒስትሪ ኢንዳስትሪ ሓሰን መሓመድ ን the reporter ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “እቲ ጉጅለ ካብ ትግራይ ዘምጾኦ መባእታዊ ጸብጻባት ኣብ ምምርማር ንርከብ ኣለና” ክብል ገሊጹ።
ሚኒስተር ኢንዳስትሪ ኤትዮጵያ ኣቶ መላኩ ኣለምበል ብወገኑ፣ ኣብ ሕዳር 2020 እቲ ኲናት ካብ ዝጅምርን ቅድሚ ክልተ ወርሒ ካብ ዝዛዘመን ንደሓር፡ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ክልላዊ ምንግስትን ትግራይ ማለት ህወሓት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ድሕሪ ምኽታሙ ንህልዉ ኩነታት ኢንዱስትሪታት እቲ ክልል ብዝምልከት ዝኾነ ሓድሽ ሓበሬታ ከምዘይነበሮ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰበስልጣን ኢንዳስትሪ ናይቲ ክልል ድሕሪ ኲናት ዳግም ምሉእ ብምሉእ ብዘይምውዳቦም ምስቶም ሓለፍቲ ርክብ ከምዘይብሉን ኣብ ክንደኦም ድማ ምስ ኣውፈርቲ ብቀጥታ ርክብ የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ትግራይ 255 ዓበይትን ማእከሎትን ናይ ኢንዱስትሪ ትካላት ከምዝነበራ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ካብዚኦም ኣብ 2018 እቶም 40 ሚእታዊት ናብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝገዓዙ የረድእ።
በቲ ኲናት ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ፣ መስፍን ኢንዳስትሪ ኢንጅነሪንግ፣ ሞሰቦ ሲሚንቶ፣ ፋብሪካ ሕክምና ዓዲግራት፣ ፋብሪካ ቢራ ራያ፣ ኢንዳስትሪ ፓርክን ካልኦት ኣገደስቲ ትካላትን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኢንዱስትሪታት በቲ ኲናት ከምዝተሃስዩ ይግለጽ። ሓያሎ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ እውን እቲ ሚኒስትሪ ካሕሳ ክዋሃቦም ይጠልቡ ኣለዉ።
እዘን ናይ ኢንዱስትሪ ትካላት ናብ ንቡር ስርሐን ክምለሳ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክወስዳ ከምዝኽእላን፡ መንግስቲ ኤትዮጵያ ንምጽጋን እዘን ትካላት ገጂፍ ፋይናንሳዊ ሕቶ ከምጻሉ ከምዝኽእላን ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ወገናት የረድኡ።