ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ምህላዉ ተገሊጹ።
ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣቢይ ኣሕመድ ብ26 ጥሪ ናብ ከተማ ካርቱም ብምእታዉ ምስ እዋናዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ተራኺቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልተኣዉን ዞባዊን ጉዳያት ይመያየጥ ምህላዉ እዩ ኣብሪሁ።
ብጉዳይ ዋንነት ስቡሕ መሬት ኣልፋሽጋ ክሳብ ናብ ወተሃደራዊ ጎንጺ በጺሐን ዝነበራ ኢትዮጵይን ሱዳንን ዘይምርዲዳአን ብሰላማዊ መንገዲ ኪፈትሓኦ ድሕሪ ምስምማዐን ኣብ ሞንጎአን ብሓያለ ጉዳያት ተጸልዩ ኪሕርፍፍ ዝጸንሐ ዝምድና ክመሓየሽ ይርአ ምህላዉ እዩ ዝንገር።
ኢትዮጵያዉያን ሓረስቶት ንመሬት ኣልፋሻጋ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዘይወግዒ ኪረብሕሉ ከምዝጸንሑ እትገልጽ ሱዳን፣ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ፡ እዚ ማለት ካብ ምጅማር ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ነቲ መሬት ኣብ ቊጽጽራ ኣእትያቶ ትርከብ።
ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ሱዳን፣ እተን ሃገራት ዝጸንሐን ዘይምርዻእ ተቐራሪበን ኪዛተያሉ ዘጸግም ከምዘይህሉ ዘአንፍት ኮይኑ ከምዘሎ ዘመልክቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፣ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ እዋናዊ መሪሕነት ሱዳን ብዛዕባ እቲ ዛጊት ፍታሕ ክርከበሉ ዘይከእኣለ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ማያዊ ትሕዞ ፈለግ ኒል ጸቒጡ ኪዘራረብ ምዃኑ እዮም ዝግምቱ።
ግብጺን ሱዳንን ኣንጻር እቲ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ፈለግ ኒል መሪጻቶ ዘሎ ጎደና ሰሚረን ኣብ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ምምልላእ ምህላወን ዝፍለጥ ኾይኑ፡ ንሕብረት ግብጽን ሱዳንን ዝድግፋ ከም ኡጋንዳ ዝኣመሰላ ገለ ኣባላት ሃገራት ላዕለዋይ ዞባ ተፋሰስ ኒል እዉን ምስ መንግስቲ ግብጺ ወተሃደራዉን ጸጥታዉን ስምምዓት ኪኽትማ ምጽንሐን ይንገር።
ደሞክራስያዊ ስግግር ሱዳን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኪትግበር ካብ ህዝብን ፖለቲካዉያን ሰልፍታትን ቀጻሊ ጸቕጢ ዝመጾ ዘሎ እዋናዊ መሪሕነት ሱዳን ፡ ነቲ ስግግር ንምኩዋን ዞባዊን ኣህጉራዊን ደገፍ ኪሓትት ከምዘይ-ጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ሃገሩ ደሓን ዝኾነ ምዕራባዊ ተቐባልነት ይረክብ ምህላዉ ዝንገረሉ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካዊ ነዉጺ ንምህዳእ ዲፕሎማስያዊ ተራ ኪጻወት ኪሓትት ከምዝኽእል እዉን ይግመት።