ምንግስቲ ሽወደን ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ’ታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ብዝምልከት ተሪር ስጒምቲ ንምዉሳድ ምድላዋት የቃንዕ ኣሎ። ክፍሊ ኢሚግረሽን እታ ሃገር ብ24 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ስጒምቲ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ዓመት ኣብ ግብሪ ክዉዕል ምዃኑ ኣረዲኡ ኣሎ።

መንግስቲ ሽወደን ካብ 24 ጥሪ ጀሚሩ ናብ’ታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉን ኪኣትዉ መደብ ዘለዎምን ስደተኛታት ክቕበል ከምዘይኮነ ፣ ነዚ ዕሽሽ ኢሎም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ድማ ሻቡ ናብ ዝመጽዎ ቦታ ክጥረዙ ምዃኖም እዩ መግለጺ ክፍሊ ኢሚግረሽን ዘተሓሳስብ።

እዚ ሓበሬታ ኩሉ ንኽፈልጦ እዉን ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከባ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ሽወደን ተላኢኹ ከምዘሎ ፣ ብዘይካ’ዚ ብመንገዲ ፍሉጣት ሃገራዉያንን ኣህጉራዉያንን ማዕከናት ዜና ንምጉዋሑ ይስራሕ ምህላዉን እዩ እቲ ክፍሊ ዝሕብር።

ብዘይካ’ዚ ፡ ሽወደን ብመስርሕ ዳግመ-ሰፈራ (Resettlement) ናይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ትቅበሎም ዝነበረት 5000 ስደተኛታት ናብ 900 ከተጒድሎ ምዃና እቲ መግለጺ የረድእ።

ሚኒስተር ስደት ሽወደን ኣብ ዘረበኣ፣ “ብዙሓት ስደታኛታት ብመንገዲ ሰምሰርቲ ሂወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዮም ናብ ሽወደን ንኸይመጹ ብዝተኻእለና መጠን ኣብ ዘዘለዉዎ ዓዲ ኮይኖም ተሪር ሕጊ ስደታኛታት መርገጺ መንግስቲ ሽወደን ክንሕብሮም ኢና። ነዚ እንዳሰምዑ ናብ ሽወደን እንተምውጽዮም ከኣ ዕጨኦም ምጥራዝ ጥራሕ እዩ ” ክትብል ብወግዒ ሓቢራ ኣላ።

ብተወሳኺ፡ ክፍሊ ኢሚግረሽን ሽወደን ፡ እቶም መንበሪ ፍቓድ ዝተነጽጉ ስደተኛታት ብወለንተኦም ናብ ሃገሮም ክምለስሉ ዝኽእሉ ባይታ ከጣጣሓሎም ካብ መንግስቲ ትእዛዝ ተዋሂቡ ኣሎ። ኮምኡ ዉን ኣብ ሽወደን መንብሪ ፍቓድ ዘይረኸቡ እሞ ኣብ ሽወደን ኣድራሻ ዘለዎም ስደተኛታት ተሪር ምክታታልን ቁጽጽርን ክገብር ካብ መንግስቲ ቀጢን ትእዛዝ ተዋሂቡ ኣሎ።

በዚ መሰረት ናብ ሽወደን ዝግበር ጥርናፈ ስድራ ቤት ዉን ክተርር ምኻኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ ። እቲ ናይ ሽወደን ዜግነት ንምርካብ ቀሊል ዝነብረ ሕጊ ዉን ክተርር ምዃኑ መንግስቲ ብወግዒ ኣብቲ ሰሉስ 24 ጥሪ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።

ሃገራት ኤውሮጳ ብጉዳይ ስደተኛታት ዝኽተልኦም ምሕደራታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይኸሩ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ ሽወደን ኣውጺዎ ዘሎ ተሪር ሕጊ ድማ መርኣያ ናቱ ከም ዝኾነ ብዙሓት ወገናት ይጥቅሱ ኣለዉ ።