ኣብ ጽዑቕ ኲናት ጸኒሑ ካብ ኢትዮጵያ ዝምለስ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ፡ ሕጂ’ዉን ካብ ሃለኽለኽን ጉልበታዊ ምዝመዛን ከዕርፍ ከምዘይኮነ ምንጭታት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኣቃሊዖም።
ህግደፍ ድሕሪ ምዝዛም’ቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብኢትዮጵያ ከመኽንየሉ ዝጸንሐ ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋህዉ፡ ሕጂ ድማ “ዳግመ ህንጸት ሃገር” ብዝብል ምስምስ ንሰራዊትን ህዝቢን ገደብ ግዜ ኣብ ዘይብሉ ጉልበታዊ ወፈራ ከዳኽም መደብ ሰሪዑ ከምዘሎ እዮም እቶም ምንጭታት ዝሕብሩ።
ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዘሎ መንእሰይ ናብራኡ ከይገብር ኣብ ስራዊት ከም ባርያ ንምቊጺጻሩ ነዚ ሓድሽ ልምዓታዊ ወፈራ ሰሪዑ ዘሎ ህግደፍ፣ እቲ ወፈራ ከም ዝሓለፈ ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ መጻኢን ዕድልን ህዝቢን ሃገርን ከጸልምት ኣምበር ዝኾነ ረብሓ ዝህልዎ ከምዘይኮነ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ ህግደፍ ድሕሪ ምዝዛም ኢትዮጵያዊ ምኽንያት፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝኸይድ ዳግማይ ጉልበታዊ ምዝመዛ ህዝቢን ሰራዊትን ከም መደብ ሓንጺጹ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።
ከም ዝዝከር፣ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ኣልጀርስ ፡ ህዝቢን ሰራዊትን ናብ ሰላማዊ ናብራኡ ተመሊሱ ሃገሩ እንዳሓለወ ከይምዕብል፣ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝብል መደብ ሻቡ ተጀሚሩ ህዝቢን ሰራዊትን ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ከብዱ ኣብ ዘየዕንግለሉን መሰራታዊ ጠለባት ህይወት ኣብ ዘየውሕሰሉን ጉልበታዊ መግዛእቲ ህግደፍ ወዲቑ ይርከብ።
ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ብቐንዱ ንልምዓትን ጣዕሚን ሃገር ዘይኮነ ፣ ዜጋታት መለሳ ኣብ ዘይብሎም ወፈራታት ጉልበቶም እንዳመዝመዝካ ተመለኽቲ ንምግባሮም ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ’ዩ እዚ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ወፍሪ ፡ሃገር ክትለምዕን ክትብልጽግን ዘይኮነ ፡ ዜጋታት ብዘይ ማይን መብራህቲን ኣብ ዝሓሰመ ድኽነት ኪነብሩ ገይሩ ዝርከብ።