ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ከቢድ መቕጻዕቲ ይጽበዮ ከምዘሎ ኣጸቢቚ ዝተረድአ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ነቲ ምስ ሩስያን ቻይናን ናይ ምዉጋን ኣማራጺ ኣጥቢቑ ይኽተሎ ኣሎ።

ምብጻሕ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ናብ ኣስመራ ኪንዮ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታት ፣ ህግደፍ ሽፋን ሩስያ ረኺቡ ኣብ ስልጣን ንኽቕጽል ኣብ ዘኽእሉ መዳያት ንምዝታይ ምንባሩ እዮም ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዝሕብሩ ዘለዉ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ ተራኺቡ ዘዉገዓሉ ኣጋጣሚ፣ ነቶም ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኤርትራን ኪሕይሉ ዝደለዩ ልምዓታዊ ምድግጋፋት ብዙሕ ኣድህቦ ከይሃበ፣ ብዛዕባ ዓለማዊ ጸጥታን ግጉይ ኣካይዳታት ዓለማዊ ስርዓትን ከስተምህር እዩ ደፊሩ።

ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ኪሕብርዎ ከምዝጸንሑ፣ ህግደፍ ምስ ሩስያ ዝተፈላለዩ ጸጥታዉን ወተሃደራዉን ዉዕላት ብምስጢር ኣቃኒዑ ከምዘሎ እዩ። እቶም ውዕላት ንጸጥታን ድሕነትን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዘይኮኑ ፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዝዓለሙ ጥራይ ምዃኖም እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ንምብጻሕ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያን ምክትሉን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ከም ልሙድ – ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ መዳያት ዕደና፣ ጸዓት፡ ትምህርቲን ጥዕናን ብሓባር ኽስራሕ ንዘሎ ድልዉነት ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ካልእ ዝኾነ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣየካፈለን ።

ኣመሪካ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ተቕንዖ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ቊጠባዊን መቕጻዕትታት ወተሃደራዊ ስጒምቲ ክስዕቦ ይኽእል እዩ ዝብል ገዚፍ ስግኣት ኣሕዲሩ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ደገፍ ሩስያን ቻይናን ንምዉሓስ ካብተን ሃገራት ንዓመታት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ቊጠባዉን ወተሃደራዉን ዕድመታት ክቕበል ይረአ ምህላዉ እዉን ይግለጽ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ናይ 2022፡ ላዕለዋይ ወኪል ፕረዚደንት ፑቲን ናይ ሩስያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ናብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ብምምራሕ ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ከምእተዘራረበን መልእኽቲ ፕረዚደንት ፑቲን ከምዘብጽሐን ኣይርሳዕን።

ንቐጻልነቱ ከስግኡ ዝኽእሉ ምዕባለታት ኣብ ዝኽሰትሉ ግድን ወቕታዉያን መፍትሒታት ኣብ ምርካብ ነዊሕ ተመክሮ ዘለዎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ እዚ ሕጂ ካብ ቻይናን ሩስያን ኸረጋግጾ ደልዩ ዘሎ ደገፍ- ንጥቕሚን ልምዓትን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ከምዘይኮነ ንኹሉ ብሩህ እዩ።

ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሃገሩ ነተን ዝቐርበኣን ዝመሓዘወኣን ሃገራት ኣጽዋርን ክትሸጠለንን፡ ወተሃደራዊ ቊመናአን ኣብ ምሕያል ክትተሓባበረንን ድልዉቲ ምህላዋ ገሊጹ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብወግዒ ገሊጹ ነይሩ።