ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ኢሚግሪሽን ኤርትራ ክቱር ብልሽዉና ገኒኑ ምህላዉ ተራ ኣባላት እቲ ክፍሊ ንወኪል ኤሪሳት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣቃሊዖም።

ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ኢሚግሪሽን ፣ ንጠለባት ፓስፖርት፣ ቪዛን ካልእ ስነዳት መገሻን፡ ልዑል መጠን ገንዘብ ኽቕርቡ ንዝኽእሉ ተገልገልቲ ጥራይ ክፉት ይገብርዎ ከምዘለዉ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢሚግሪሽንን ላዕለዎት ኣካየድቲ ናይተን ካብ ዉሽጢ ሃገር ብዝተፈላለዩ ዉልቃዊ ጉዳያት ንዝገሹ ዜጋታት ፍቓድ ዝህባ ክፍልታትን ጥቡቕን ረቂቕን ናይ ረብሓ ዝምድናታት ማዕቢሉ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ሓለፍቲ ኢሚግሬሽንን ቦርድ ሚኒስትሪ ጥዕናን ዘሎ ናይ ረብሓ ዝምድና ሕልፍ ዝበለ ምዃኑ የረድኡ።

ኣብ ሃገር ሰሪቱ ብዘሎ ውድቀት ጥዕናዊ ትሕተ-ቅርጺ ተሸጊሮም ናብ ወጻኢ ከይዶም ኪሕከሙ ዝጠልቡ ዜጋታት ፣ ብላዕን ግቦን ንሓለፍቲ ቦርድ ሚንሲትሪ ጥዕና ምስ ዝህቡ ሻቡ ጠለቦም ቅቡል ኮይኑ ናብ ኢሚግሬሽን ከምዝለኣኹን ኣብ ኢሚግሬሽን እዉን ተመሳሳሊ መጠን ግቦ ሂቦም ናይ ፓስፖርትን ቪዛን ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝግደዱን እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።

ኣገልግሎት ኢሚግረሽን ኤርትራ ዓመታዊ ዝቀያየር ሕግታት መገሻ ብምዉጻእ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቶም እናሻዕ ዝወጽኡ ተረርቲ ሕግታት ነቶም ልዑል መጠን ብላዕ ክቕርቡ ዝኽእሉ ዜጋታት ዝምልከቱ ከምዘይኮኑ እዮም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።