ኤውሮጳዊ ሕብረት ፡ ንምሱጋግ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ኤውሮጳ ዝምልከት ሓድሽ ስትራተጂ ኣቕሪቡ።
እቲ ብኮምሽን ኤውሮጳ ሕብረት ዝቀረበ እማመ ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብቐረባ ክሰርሓን ኮምኡ እውን ብሰበስልጣን ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝወጹ ሕግታት ክርዕማን ክተሓባበራን ዝድርኽ እዩ።
ኣብ ኤውሮጳ ንምእታው ወይ ንምጽናሕ ዘድሊ ረቛሒታት ዘየማልኡ ስደተኛታት ዝበዝሑ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘለዎም እዉን ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብ24 ጥሪ ሓቢሩ ኣሎ።
ላዕለወይቲ ተሓባባሪት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኾነት ማሪ ጁሪች ኣብ’ቲ ዕለት ኣብ ብራስለስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ “እቶም ብሃገራት ኤውሮጳ ዝተነጽጉ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ክነብሩ መሰል ስለዘይብሎም ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ኣለዎም” ክትብል ገሊጻ ኣላ ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምምላስ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንዓመታት ክጽዕረሉ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር ኮይኑ፣
ኣብ ሚያዝያ 2021፡ ኮሚሽን እቲ ሕብረት ብቐንዱ ኣብ ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት ዘተኮረ ስትራተጂ ኣቕሪቡ ነይሩ። ካብቶም ብዘይስሩዕ መንገዲ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ግን 21% ጥራይ እዮም ናብ መበቆል ሃገሮም ተመሊሶም። እዚ ኣሃዝ እዚ ነቶም ዋላ’ውን ሕቶ ዑቕባኦም ብኣባላት ሃገራት ኤውሮጳ ዝተነጽጉ ስደኛታት ከምዘጠቃልል ይገልጽ ።
ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ስጳኛን ኣውስትርያን ዝበዝሐ ቁጽሪ ሕቶታት ዑቕባ ተቐቢለን ዘለዋ ሃገራት እየን።