ህግደፍ ብመንገዲ ኣብ ስደት ዝነጥፋ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ጎስጓሱ ነቶም ኣብ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ዝኽሰቱ ዝደቐቚ ፍጻሜታት ሃይሞናታዊን ዓሌታዊን መኣዝን እንዳትሓዘ ከጋዝፎም ካብ ምፍታን ከምዘይዓረፈ ምንጭታትት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም ።
ኣብ ስደት ዝነጥፋ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና ህግደፍ፣ ካብን ናብን ደንበ ፍትሒን ደንበ ህግደፍን ወቕቲ መጸ ዝናጠሩ ተወላወልቲ ወነንቲ ሚድያታት ከይተረፉ ኣብ’ዚ ሓደገኛ ጎስጓስ ይጓየዩ ምህላዎም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ኣባላትን መሪሕነትን ደንበ ፍትሒ ኤርትራዉያን ነዚ ብዝግባእ ኣቕሊቦም ፣ ንቓልሶም ነቓዕ ከጋፍሑ ናይ ዝህቅኑ ጸወተታታት ግዳይ ካብ ምዃን ኪበልሑ ተላብዮም።
ገደብ ግዜ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝመደቦ ዘይቀነዓሉ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ካብ ህዝቢን ሰራዊትን ከይመጽእ ኣስጊዎ ንዘሎ ጻዉዒት ለዉጢ ንምቕናን፣ ዝረኸቦም ምኽንያታት ካብ ምፍብራኽን ሽርሕታት ኣብ ምጽዋድን ከምዝርከብ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ደንበ ፍትሒ ኣብ ጎደና ቃልሲ ንዝኽሰቱ ዝደቐቚ ፍጻሜታት እንዳ-ኣጫነወ ዘየለ ናይ ሃይማኖትን ቀቢላን መልክዕ ከትሕዞምን ፣ ህዝቢን ንፍትሑ ዝቃለሱ ዘለዉ ደቊን ድማ ኣብ ዘየገድሱ ዛዕባታት ኪጠራጠሩን ኪታረኹን ንምግባር ይጽዕትን ምህላዉ ኣተሓሳሲቦም።
ቃልሲ ፍትሒ ብግቡእን ኣስራሒን ሸነኹ ዘይሓዝዎ ገለ ዜጋታት ፡ ነቶም ኣብ ደንበ ፍትሒ ዝኽሰቱ ነኣሽቱ ጌጋታት ብኸምቲ ህግደፍ ዝደልዮ ኣተረጓግማ ወሲዶም ከጓሃህሩ ክረኣዩ ጸኒሖም እዮም።
ህግደፍ ኣብ ሞንጎን ብኣባላትን ደንበ ፍትሒ እትምዝገብ ዝነኣሰት ጌጋ ብዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜናኡ ከራብሓን ካልእ መልክዕ ከትሕዛን ምርኣይ ልሙድ እኳ እንተኾነ፣ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኣብዚ መራሒ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክጸንሓሉ ዘኽእሎ ምኽኒት ዝጽንቅቐሉ ዘሎ ግዜ፡ በዚ ልሙድ ጸወታን ሽርሕን ከይተደናገረ ቃልሱ ከሐይል ከምዝግባእ እዮም ምንጭታት ኤሪሳት ኣትሪሮም ዘተሓሳስቡ።