ሚኒስትሪ መጎዓዝያ  ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ፣ መጎዓዝያ ምድሪ ንክጅመር ዘድልዩ ቅጥዕታትን መምርሒታትን ወጺኦም ምህላዎም ብምሕባር፣ ሚኒስተር ሰላም ነቲ መምርሒ ኣብ ዘጽደቐሉ እዋን ህዝባዊ መጎዓዝያ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ከም ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ባንክን መጎዓዝያ ነፈርትን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ኣቐድም ኣቢሎም ምጅማሮም ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዘውጸኦ ሕጊ፣ ካብቲ ክልል ክወጽእ ንዝደልይ ተወላዲ ትግራይ ናይ ዕድመ ገደብ ገይሩሉ እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ ምድሪ ዝጅመረለን ከተማታት፣ መቐለ፣ ኣኽሱምን ሽረን ከምዝርከበአን፣  ኣብቲ ብዓርቢ 27 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ተጠቒሱ ኣሎ።
ብካልእ ወገን፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ዘሎ ረዲኤት፣ ብግቡእ ይመቓራሕ የሎን ክብሉ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ክልላትን መረረኦም ኣስሚዖም ኣለዉ።

 

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለዎ ኮንፈረንስ ዝተረኽቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ዝልግሶ ዘሎ ረዲኤት ዝበዝሐ ክፋሉ፣ ንክልል ትግራይ ዝዓለመ ብምዃኑ፣ በዚ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ ዝተጎድአ ካልእ ዞባታት፣ ግቡእ ጠመተ ኣይረክብን ኣሎ ኢሎም።