ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ልዕሊ 58 ሚሊዮን ህዝቢ ብድርቂ ተሃስዩ ከምዘሎ ወኪል ዓለማዊ ውድብ መግቢ ማለት WFP ገሊጹ ። ኣብዚ ዓመት ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያ፣ ሓያሎ ከባቢታት ኬንያ እቲ ኩነታት ድርቂ ክብእስ ከም ዝኽእል ወሲኹ ገሊጹ ኣሎ ።

ኣብዚ  እዋን እዚ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ማሕንቆ ከይንዋ ዘሎ፣ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኩናትን ድርቅን ፣ ንዓመታት ዝዘነበ ፍሹል ዝናብን፡ ኣብቶም ማሕበረሰባት ብብዝሒ ምምዝባል ከም ዘስዓበን ዝገለጹ እቶም ኪኢላታት እዚ ንንውሕ ዝበለ እዋናት ምስ ዝቅጽል ሳዕቤኑ ክብእስ ከም ዝኽእል ስክፍታኦም  ገሊፆም ኣለዉ።

“ኣብቲ ዞባ ዘጋጥም ዘሎ ድርቂ ንማሕበረሰባት፡ ቁጠባን ስነ-ህይወትን ዓቢ ጉድኣት የምጽእ ኣሎ” ዝበለት ክኢላ ሜትሮሎጂ ኬንያ ዶክተር ፓሜላ ካይቱሩ ፣ ኣብ መንጎ ምንግስታት ዝኽሰቱ ዘለዉ ግጭታት እውን ነቲ ኩነታት ካብ ዘጋግድድዎ ዘለዉ ረቃሕቲ ምኻኖም ጠቂሳ ።

ቀጺላ ንሳ ፡ ኣብቲ ሰፊሕ ዞባ ልዕሊ 58 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ ኩነታት ውሕስነት መግቢ ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉን ፣ ኣብዚ ዓመት 2023 ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ሓያሎ ከባቢታት ኬንያን እቲ ኩነታት እናገደደ ከምዝኸይድ እውን ኣዘኻኺራ ።