ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብምስጢር ወተሃደራዊ ታዕሊም ኪወስዱ ዝጸንሑ ሶማላዉያን ገና ናብ ሃገሮም ዘይተመልሱ ምህላዎም ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ገለ ካብ ወለዲ እቶም ተዓላሞ ኣብ ዘቃንዖ ርክብ ኣረጋጊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ርክቡ፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ዘለዉ ተዓላሞ ክንደይ ምዃኖምን መዓስ ክምለሱ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎን ግን ኣየነጸረን።

ዝበዝሑ ካብቶም ተዓላሞ ኣብ ምፍላምን ምዝዛምን ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2022 ናብ ሃገሮም ምምላሶም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሻቡ ናብ መሳርዕ እቲ ኣብ ምድቓቕ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ተኺሉ ወፊሩ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ክጽንበሩ ከምተገብረ ኣይርሳዕን።

ኣብ ሽዑ እዋን ምክልኻል ሶማል ፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ ሰለስተ ዕመታት ክስልጥኑ ዝጸንሑ ወተሃደራት ናብ መሳርዕ ሰራዊት ሶማል ተጸንቢሮም፣ ኣብቲ ሃገሮም ንዕጡቕ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምድቓቕ ጀሚራቶ ዘላ ገዚፍ ወፈራ ብመሪሕነት ክዋስኡ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ ።

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብዛዕባ ምምላስ እቶም ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ተዓጊቶም ዝርከቡ ወተሃደራቱ ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ክዘራረብ ኣብ ዉሽጢ 5 ኣዋርሕ ክልተ ግዜ ናብ ኤርትራ ምብጽሑ ይፍለጥ።

እቲ ሶማላዊ መራሒ ነቶም ወተሃደራት ሃገሩ ኽመልሶም ምድንጓዩ ኣብ ህዝቢን ፖለቲከኛታትን እታ ሃገር ምዕዝምዛማት ክዛይድ ምጽንሑ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ብፍላይ ወለዲ ናይቶም ተዓጊቶም ዘለዉ ወተሃደራት ፡ ደቆም ኣብ ዝሓጸረ እዋም ክምለስሎም እንተዘይክኢሎም ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ህዝባዊ ተቛዉሞ ክጽዉዑ ምዃኖም እዮም ከፈራሩ ጸኒሖም።

ኣብ ኤርትራ ይዕለሙ ኣለዉ ካብ ዝበሃል ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዘቚጸሩ ሶማላዉያን ወተሃደራት ፣ ምስ ፈላሚ ምብጻሕ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብሃታ ሃታ ዝተቓንዐ ጽንብል መመረቕታ ከምእተወደበሎም ኣይርሳዕን።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ምስ ሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ ምስ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ቅልጡፍ ምቅርራባት ንዘረጋግጽ ዘሎ ሓድሽ ሶማላዊ ፕረዚደንት ንምጽላዉ ፣ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሶማላዉያን ተዓላሞ ከም ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን መዋገዪ ኽጥቀመሉ ምጽንሑ ብቐጻሊ ተገሊጹ እዩ።