ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ፣ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ከምዘይወጸ ተዛሪባ። እታ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ትግራይ ወጽዩ ናብ ዶባቱ ይስሕብ ምህላዉ ጠቒሳ፣ ጠቕሊሉ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ከምዘይወጽአ እያ ሞጊታ።
እታ ኣመሪካዊት በዓልቲ ስልጣን ንመግለጺኣ ዘሰኒ መርትዖ ግን ክትህብ ኣይከእኣለትን። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ወጽዩ ናብ ቦታኡ ይምለስ ምህላዉ መንግስታት ኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ኣካላት ኪገልጹን ከመጒሱን ምቕናዮም ኣይርሳዕን።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ዘቃንዐ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፣ ኣብ ዕላሉ – ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ኪወጽእ ምጅማሩ ነቲ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንምዕራፍ ተኸቲሙ ኣብ ትግባረ ዝርከብ ስምምዕ ሰላም ተወሳኺ ተስፋ ዘስንቕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ሰራዊት ኤርትራ ብዘይፍቓድ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኪጸንሕ ከምዘይክል ዝምጉቱ ወገናት ግን፣ ምዉጻእን ዘይምዉጻእን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ድሌትን ጠለብን መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ጥራይ ዝምርኮስ ምዃኑ እዮም ዘተሓሳስቡ።
ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ምዕራፉ ልዑል ተስፋ ጌሩ፡ ሃገሩን ደቁን ናብ ጎደና ራህዋ ከብሉ እዮም ኢሉ ኣብ ዝትስፈወሉ ዘሎ እዋን፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ – ኤርትራ ዝበኣሰ ተጻብኦ የንጸላልዋ ምህላዉ ዘፈራርህን፡ ንዝሓየለ መኸተ ክትዳሎ ዝጽዉዕን ተስፋ ዘቚርጽ ናይ ሓድሽ ዓመት መልኽቲ ምስዳዱ ኣይርሳዕን።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ፣ ኣብ ስልጣን ዝቕጽለሉ ዝኾነ ምኽንያት ንምዉሓስ ሽርሕታት ከቃጥን ምዃኑ ብኣጋኡ ተገሚቱ እዩ።
ብጉዳይ ወያነን ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ 22 ዓመታት ኣብ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን ኸርዲኑ ስልጣን ክብሕት ዝጸንሐ ህግደፍ፣ ሕጂ ነቲ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ምኽንያት ስለዝሰኣኖ፣ ኣብ ባይታ ዘየለዉ ሓደስቲ ስግኣታት እንዳመስርሐ ህዝቢ ኣብ ቀጻሊ ራዕዲን ተገዛእነትን ክቕጽል ካብ ምስራሕ ከዕርፍ ከምዘይክነ እዉን ምጭታትና ብተደጋጋሚ ከተሓሳስቡ ጸኒሖም እዮም።
ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኪፍታሕ ዘቃርብ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢን ሰራዊትን ኪመጾ ንዝኾነ ሕቶታት ሃገራዊ ልምዓትን ፖለቲካዊ ጽገናን ክምልስ ዓቕሊ ይኹን ተጻዋርነት ስለዘይብሉ ፣ ንኤርትራ ናብ ካልእ ኲናት ወይ ናብ ተወሳኺ ኣህጉራዊ እገዳታት ዝሸሙዋ ሽርሕታት ኣዳሊዩ ከምዝህሉ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ ዉሽጣዊ ሽግር ኤርትራ ብህዝባን ሰራዊታን ጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል እዮም ዝሕብሩ።