ናብ ክልል ትግራይ ዘብሉ መስመራት ህዝባዊ መጓዓዝያ ምድሪ ዳግማይ ስራሖም ክጅምሩ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጹ፣ ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዉሓት ዝይዕጉብነት ይርአ ኣሎ።
ምጅማር ህዝባዊ መጓዓዝያ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተዓጽዩ ኣብ ሕሱም መነባብሮ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብልዑል ቊጽሪ ናብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገር ኪዉሕዝ ከይገብሮ ልዑል ስግኣት ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ናብ ክልል ትግራይ ዘእትዉ መስመራት ህዝባዊ መጓዓዝያ ምድሪ ንከባቢ ክልተ ዓመታት ተቘሊፎም ምጽንሖም ይፍለጥ። ሰብ ስልጣን እታ ክልል ንምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ካብን ናብን ክልሉ ብዝምልከት ተረርቲ መምርሒታት የውጽኡ ምህላዎም ዝግለጽ ኮይኑ፣ ብፍላይ ካብ ትግራይ ናብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ኪገሹ ናይ ዝኽእሉ ተጋሩ ገደብ ዕድመ ተገይርሉ መንእሰያት ካብታ ክልል ንኸይወጹ ይጽዓር ከምዘሎ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘረድኡ።
ካብን ናብን ትግራይን ካልኦት ክልላትን ዘራኽቡ መስመራት ህዝባዊ መጓዓዝያ ምድሪ ዳግማይ ስራሖም ክጅምሩ ምዃኖም ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ እዩ።
እቶም መስመራት ንኣገልግሎት ብቚዓት ንምግባሮምን ንኣመሓዳድረእኦም ብዝምልከትን መምርሒታት ኣርቂቚ ምህላዉ ብምምልካት ፣ እቲ መምርሒ ብሚኒስትሪ ሰላም ተቐባልነት እንተረኺቡ ኣብ ተግበራ ኪዉዕል ምዃኑ እዩ ኣረዲኡ ።
ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታት፣ ወተሃደራዉያን ኣዘዝቲን ሓለፍቲ ተቛወምቲ ዉድባትን ትግራይ ዘሎ ዘይምትምማንን ምዉቕቓስን ዕለታዊ ይብስ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ህወሓት ኣብ እዋን ኲናት ንፖለቲካዊ መጻኢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተመባጽዖም ገዘፍቲ መደባት ኣዋዲቚ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢዱ ሂቡ እዩ ኢሎም ናይ ዘስተማስሉ ቊጽሪ ተጋሩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዉስኽ ከምዘሎ የረድኡ።