ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እምነት ጴንጠቆስታል ዘካይዶ ኣልማሚ ማእሰርቲ ከምዘየዕረፈ ረሊዝ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ተሓላቒ መሰላት እምነት ሓቢሩ።
እቲ ትካል ኣብ’ዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፣ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ብ 30 ጥሪ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ገዛ ተእኣኪቦም ክጽልዩ ንዝጸንሑ 44 ተኸተልቲ እምነት ጴንጠቆስጣል ሞቚሑ ከምዝወሰዶም ኣፍሊጡ ኣሎ።
39 ካብቶም ዝተወስደ ኣመንቲ ደቂኣንስትዮ ምዃነን ዘረድአ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ማይስርዋ ተዳጒኖም ምህላዎም እዩ ኣነጺሩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ተኸታልነቶም ኣብ መዶጎኒ ማእከላት ንዓመታት የሳቕዮም ካብ ዘለዉ ኣሽሓት ዜጋታት በብቕሩብ ፍትሒ ይገብር ከምዘሎ ንምእማን ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2020 ከባቢ 170 መእመናን ከምዝፈትሐ ይገልጽ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘለዎ ዘይተጸዋርነት ከምዘይተመሓየሸ በዞም ክሳዕ ሕጂ ዝቕሎም ዘሎ ማእሰርትታት ዝምስከር ኮይኑ ኣሎ ኣሎ።
ኤርትራ ምስተን ኣብ ጉዳይ ነጻነት እምነት ሕሱም ኣተሓሕዛ ዘማሕድራ ቀዳሞት 10 ሃገራት ተሰሪዓ ትቕጽል ምህላዋ፣ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ወገን ድማ ኣብ ነጻነታት እምነት ዘለዎ ዘይተጻዋርነት ከም ዝነበሮ ይቕጽል ምህላዉ ብሓያለ መንግስታት ሃገራት ምዕራብን ኣህጉራዉያን ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ክሕበር ጸኒሑ እዩ።
ብዓመታዊ መስፈር ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ነጻነታት እምነት፡ ኤርትራ ምስ ስዑዲ ዓረብ፡ ናይጀርያ፡ በርማ ፡ ሰሜን-ኮርያ፡ ቻይና፡ ፓኪስታን ፡ ኢራን፡ ቱርኪሚኒስታንን ታጃኪስታንን’የን ተጸንቢራ ኣብ መስርዕ “ኣተሓሳሰብቲ ሃገራት” ትቕጽል ምህላዋ እዉን ይፍለጥ።
ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ፡ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጸቢብ ጉጅለ ኣብ ጉዳይ ነጻነት እምነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ከም ኣሰካፊ ተርእዮ ብምውሳድ ንኤርትራ ኣብ ዝርርዝ’ቲ ብ “ስክፍታታት ዘንጸፋ ሃገራት” ዝጥቀስ መዝገቡ ኣስፊርዋ ይርከብ።