ንኣልሸባብ ንምጥፋእ ዝወፍሩ ሰራዊት ኣብ ኤርትራ ብምስጢር ኪዕለሙ ዝሰደደት ሶማል ፣ ኤርትራ ዘይትሳተፎ ዋዕላ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ተቃንዕ ምህላዋ ተሓቢሩ። ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብዝጸውዖ መሰረት መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲን ኬንያን ብ1 ለካቲት ናብ ከተማ ሞቓድሾ ኣትዮም ብዛዕባ ኣብ ምርግጋጽ ርግኣት ሶማልን ምድቓቕ ኣልሸባብን ኪዘራረቡ መደብ ተሰሪዑ ከምዘሎ ዝሓበሩ ጸብጻባት፣ እታ ዝበዝሑ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ኣብ ሶማል ኣዉፊራ ምህላዋ ዝንገረላ ኡጋንዳ እዉን እንተኾነ ኣይተሳተፈትን።
ዕላማ እቲ ዋዕላ፣ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብቲ ሶማል ዓጢቓ ተላዒላትሉ ዘላ ወፍሪ ምድቓቕ ኣልሸባብ ከዛይድኦ ብዛዕባ ዝኽእላ ደገፍ ንምምይያጥን ብዓቢኡ ድማ ዞባዊ ሽበራ ንምድኻም ኣብ ዘኽእሉ ሓባራዊ ጻዕሪ ንምርዓምን ከምዝኾነ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘረድኡ። ብፍላይ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ’ቲ ንጸጥታአን ከይተረፈ ዝፈታተን ዘሎ ሶማላዊ ዕጡቕ ንምጥፋእ ዝካየድ ቃልሲ ምስ መንግስቲ ሶማል ብቐረባ ይሰርሓ ምህላወን ይንገር።
ኤርትራ ኣብቲ ኣኼባ ዘይምርካባ፣ ብዙሕ ትርጉም ይወሃቦ እኳ እንተሎ፣ መራሒ ሶማል ብሓቒ ንኤርትራ ናብቲ ዋዕላ ዓዲምዋ ድዩ ኣይዓደማን ፣ ወይዉን ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሪሕነት ድዩ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ ዘይመረጸ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ህዝቢ ሶማል ኣብ 2024 ካብ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓራ ዝኾነት ሃገር ክርከብ ምዃኑ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ዝሓለፈት ወርሒ ጥሪ ተመባጺዑ ነይሩ እዩ። ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ምድቓቕ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ዓወታት የመዝግብ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት ፣ እቲ ጉጅለ ክሳብ 2024 ክሰርር ከምዘይኮነ እዩ ገሊጹ።
ምስ መርበብ ኣልቃዒዳ ዝጠበቐ ዝምድና ከምዘለዎ ዝንገር ኣልሸባብ ኪንዮ ጸጥታዊ ስግኣት ሶማል ምዃን፣ ናብ ከም ኢትዮጵያን ኬንያን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት እንዳሰሎዄ እዉን ጠንቒ ዞባዊ ሃወኽ ኪኽዉን እዩ ጸኒሑ።
ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ እቲ ሸበራዊ ጀሚርዎ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምሉእ ብምሉእ ክዕወት ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ካብ 1992 ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር ባይቶ ጸጥታ ክለዓል ይጠልብ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ዘይመንግስታዊ በዓል መዚ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ማለት ኢጋድ ነቲ መንግስቲ ሶማል ቀሪቡ ዘሎ ጠለብ ከምዝድግፎ እዉን ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻእኢ ጉዳያት ኣባላት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ።
ምስ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ከቢድ ቅልስ ዝርከብ መንግስቲ ሶማል ፣ ነቲ ጉጅለ ንምድቓቕ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ገዚፍ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ይሓትት ምህላዉ እዩ ዝንገር። ሓድሽ መራሒ ሶማል ምስ ምምሕዳር ዋሺንግተን ደሓን ዝኾነ ዝምድና የማዕብልን ፣ መጠናዊ ቊጽሪ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ መሬቱ ኪኣትዉ ኣፍቂዱ ምህላዉን እዉን ይፍለጥ።