ንታሪኻዊን ፖለቲካዉን ምዕባለ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብዝምልከት ኣገደስቲ ሰነዳት ከዚኑ ዝርከብ ማእከል ምርምርን ስነዳን ፥ ገና ብዕጹው ፖሊሲ ቀረብ ሓበሬታ እንዳተማሕደረ ንናይ ምርምር ድሌት ደቂ-ሃገርን ወጻእተኛታትን ይቐትል ምህላዉ ወኪል ኤሪሳት ካብ ከተማ ኣስመራ ደጊሙ ሓቢሩ።
ማእከል ምርምርን ስነዳን ፥ ካብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ክሳዕ ክልቲኡ መግዛእትታት ኢትዮጵያ ፥ ከምኡ`ውን ዘይተኣፋፍነቶም ተመሪጹ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተጸኒዖም ካብ ዝቐረቡ – ብቀዳማይ ኢድ ሓበሬታ ዝልለዩ ሰነዳት ከዚኑ ዘሎ ሃገራዊ ትካል ከምዝኾነ ዘመልከተ እቲ ወኪል – እቲ ትካል ብዝኽተሎ ዕጹው ፖሊስ ንተመራመርቲ ዝህቦ ኣገልግሎት ኣዚዩ ጸቢብ ከምዝኾነ የረድእ።
ሓለፍቲ እቲ ማእከል ፥ ዝህብዎ ምኽንያት – ነቶም ሰነዳት ንኣገልግሎት ብቚዓት ንምግባሮም ይስራሕ ስለዘሎ`ዩ ዝብል ከምዝኾነ ዝጠቐሰ እቲ ወኪል ፥ እቲ ምኽንያት ንዝሓለፉ 24 ዓመታት ይደጋገም ምህላዉ የብርህ።
ንሰነዳት ማእከል ምርምርን ስነዳን ተወኪሶም ብተመራመቲ ደቂ ሃገርን ወጻእተኛታትን ዛጊት ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ምስ ሃብታም ሰነዳዊ ትሕዝቶ እቲ ማእከል ፈጺሞም ዘይዳረጉ ብቚጽሪ ድማ ኣዚዮም ውሑዳት ከምዝኾኑ እዉን ይፍለጥ።
ነቲ ማእከል ዘመሓድሩ ዘለዉ ላዕለዎት ኣባላት ተወዳዳሪ ፍልጠት ሰነዳዊ ምሕደራ ዘይብሎምን ተማእዛዝነቶም በቲ ነቲ ማእከል ብላዕሊ ዝከታተል ባህላዊ ጉዳኣት ህግደፍ ተመዚኑ ዝተቐመጡን ብምኹኖም እዉን ንድሕረት እቲ ኣገዳሲ ሃገራዊ ትካል ካልእ ተወሳኺ ጠንቂ ከምዝኾነ ይግለጽ።