መንግስቲ ብሪጣንያ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሓደስትን ነባራትን ስደተኛታት ዘኽርሮ ዘሎ ኣተሓሕዛ፣ ኣብታ ሃገር ብናይ ሓሶት መርትዖታት ዑቕባን ዉሕስነትን ኣብ ልዕሊ ዝረኸቡ ስደተኛታት ዳግመ ምጽራይ ኪግበር ዘኽእል ሓድሽ ሕጊ ከምዘተኣታተወ ይገልጽ ኣሎ።

ክፍሊ ዉሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ብሪጣንያ ግዳያት ነጋዶ ደቂሰብ ኮይና ኢና ብዝብል ዑቕባን ድሕነትን ንዝረኸቡ ስደተኛታት ብዛዕባ እቲ ዝወረዶም ግፍዒን ባርነትን ተወሳኺ መርትዖ ኪሓቶም ዘኽእሎ ስልጣን በዚ ሓድሽ ሕጊ ተዋሂብዎ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብታ ሃገር ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተዋፊሮም ዝርከቡን ብናይ ሓሶት መርትዖ ናይ ዑቕባ ጠለቦም ተዋሒስሎም ዝነብሩን ዘለዉ ስደተኛታት ብቕልቱፍ ንምጥራዝ የኽእሉ እዮም ዝበሎም ተረርቲ ሕግታት የዉጽእ ከምዘሎ ኣይርሳዕን።

እዚ ናሽናሊቲ ኤንድ ቦርደር ኣክት ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓሊፉ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ፣ ነቶም ኣብ ክፍሊ ዉሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ዝነጥፉ ተሓዝቲ ጉዳያት ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባ ግዳያት ነጋዶ ደቂሰብ ከምዝኾኑ ዘመሳኽር መርትዖታት ኪሓቱዎም ስልጣን ዝህብ እዉን እዩ።

በዚ መሰረት ግዳያት ንግዲ ደቂሰብ ኢናን ፡ ኣብ ትሕቲ ነጋዶ ደቂሰብ ግፍዕን ባርነትን ኣሕሊፍና ኢናን ብዝብል ናብ ብሪጣንያ ኪኣትዉን ዑቕባ ኪሓቱን ዝፍትኑ ሰባት ናይ ፖሊስ ሰነድ ወይ ካብ’ተን ካብቲ ሓደጋ ከምዝወጽኡ ዝፈልጣ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ድጋፍ ወረቐት ከቕርቡ ኪግደዱ እዮም።

ጸሓፊት ክፍሊ ዉሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ብ30 ጥሪ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ናይ ብሓቂ ግዳያት ነጋዶ ደቂሰብ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም ብቕልጡፍ ተራእዩ ዉሕስነት ከይረኽቡ ፣ ብሓሶት ተመሳሳሊ ምኽንያት ዝቕርቡ ሓተቲ ዑቕባ ብምብዝሖም እቶም ናይ በሓቂ ግዳያት ጠለቦም መልሲ ከይረኸበ ነዊሕ ክጽበዮ ምጽንሖም እዚ ድማ ግቡእ ከምዘይኮነ እያ ኣተሓሳሲባ።

እታ በዓልቲ ስልጣን ወሲኻ፣ እቲ ተግባራዊ ዝኸዉን ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ብናይ ሓሶት መርትዖ ዑቕባን ዉሕስነትን ኪረኽቡ ኣብ ልዕሊ ዝፍትኑ ስደተኛታት ሻቡ ናይ ምጥራዝ ስጒምቲ ኽዉሰድ ዘኽል ከምዝኾነ እዉን ኣነጺራ ኣላ።