ኣብ ኤርትራ ሰሪቱ ዘሎ ጸገም፡ ሰፊሕ ኣቓልቦን ኣፍልጦን ማሕበረሰብ ዓለም ይረከብ ከምዘሎ ካብ’ቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሃገራት ወጻኢን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንስደት ኤርትራውያን ፥ ኣብ ኤርትራ ቀይዱ በቲዂ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰት፥ ንዞባዊ ሃወኽ ዘቐድም ፖሊሲታት ጉጅለ ህግደፍ ፥ ከምኡ’ውን ማሕበረ-ቊጠባዊ ዉድቀት ኤርትራ ኣመልኪቶም ዳርጋ ዕለታዊ ዝወጽኡ ዘለዉ ሓበሬታታት ክትርዳእ ከምዝከኣል ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም።

ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቊሊሕ ምስ እትብል እንተወሓደ ክንዲ ኣጻብዕቲ ናይ ክልተ ኢድ ዝኸዉን ንኤርትራን ህዝባን ዝገጥሞም ዘሎ ሽግራት ዘንጸባርቚ ጽሑፋት ጎፍ ከምዝብሉኻ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፥ እዚ ድማ ኤርትራዊ ሽግር ክሳዕ ክንደይ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ረኺቡ ከምዘሎ ዘመስክር እዩ ይብሉ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ማዕከናት ዜና ወጻኢን ቦታ ረኺቡ ዘሎ ኤርትራዊ ኩነት ሳላ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ከይሰልከዩ ንጸገም ህዝቦምን ሃገሮምን ዘድምጹ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ ከምዝኾነ ዘረድኡ እቶም ምንጭታት፥ እዋናዊ ሽግር ኤርትራን ህዝባን ካብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ግንዛቤ ምርካቡ ንደምበ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ዘይነዓቕ ደገፍን ድርዕን ከምዝኾነ ይጠቕሱ።

ሎሚ ካብ ዝዓበያ ማዕከናት ዓለም ክሳዕ ዝነኣሳ መርበባት ሓበሬታ ብዛዕባ እዋናዊ ሽግር ኤርትራ ይዛረባ ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ ፥ እዚ ድማ ንገሃሲ ኣካይዳታት ናይቲ ጠንቂ ኩሉዓይነታዊ ሽግር ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍ ከፊላዊ ልጓም ኮይኑ ከምዘሎ ሓያሎ ተዓዝብቲ ይሕብሩ።