መንግስቲ ሶማልያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወሰኽቲ ሰራዊት ንወትሃደራዊ ስልጠና ናብ ኤርትራን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ይልእኽ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ምንግስቲ ኣንጻር ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ንምሕያሉ ወትሃደራቱ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምልኣኽ ግቡእ ስልጠና ክረኽቡ ምግባሮም ኣዳላዩ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ እውን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ሶማል ሓቢሩ።

ሑሴን ሸኽ-ዓሊ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ሶማል ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ተወሰኽቲ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ወተሃደራታ ንግቡእ ወትሃደራዊ ስልጠና ናብ ኤርትራን ኡጋንዳን ከምዝሰደደት ክጠቅስ እንከሎ፣ 6 ሽሕ ካልኦት እዉን ናብ ኢትዮጵያን ግብጽን ክለኣኹ መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ንሱ ኣስዒቡ “ኣብ ውሽጢ 2023 ኣስታት 15 ሽሕ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ወትሃደራት ንዝኾነ ወትሃደራዊ ስርሒት ድሉዋት ኣብ ምግባሮም እውን ንስረሕ ኣለና ’’ ክብል ኣብሪሁ።

ገለ ወገናት ግን እዚ ምንግስቲ ሶማል ዝግበሮ ዘሎ ምምልማል ሰራዊት ኣብታ ሃገር ሓደስቲ ሽበራውያን ጉጂለታት ክጫጫሓን ነቲ ኣልሸባብ ዝገብሮ ዘሎ ሽበራዊ ንጥፈታት መሊሱ ክዕብዮ ዝደፍእ ምኻኑ ይጠቅሱ ኣለዉ ።

መንግስቲ ሶማል ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ 5 ሽሕ ወተሃደራቱ ዝበዝሑ ናብ ሃገሩ ከምዝመለሶም ዝዝከር ኮይኑ ተወሰኽቲ ወትሃደራት ንጸጥታዊ መዳይ ዝሕግዞም ተወሳኺ ስልጠናታት ንምሃብ እውን መደብ ከም ዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ፓርላማ ሶማል ኣብ ቀረባ እዋን ን2023 ዝሃቦ ዝዓበየ ባጀት 967 ሚልዮን ዶላር ኣጽዲቑ’ኳ እንተነበረ፡ ውሽጣዊ እቶት እታ ሃገር ግን ኣዝዩ ትሑት ኮይኑ፡ ክልተ ሲሶ ናይቲ ባጀት ካብ ግዳማዊ ደገፍ ዝመጽእ’ዩ።

እቲ ባጀት ንሃገራዊ ሰራዊት 113 ሚልዮን ዶላር ዓመታዊ ይምድብ።
ህዝቢ ሶማል ኣብ 2024 ካብ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓራ ዝኾነት ሃገር ክርከብ ምዃኑ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ዝሓለፈት ወርሒ ጥሪ ተመባጺዑ ነይሩ እዩ። ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ምድቓቕ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ዓወታት የመዝግብ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት ፣ እቲ ጉጅለ ክሳብ 2024 ክሰርር ከምዘይኮነ እዩ ገሊጹ።

መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ እቲ ሸበራዊ ጀሚርዎ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምሉእ ብምሉእ ክዕወት ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ካብ 1992 ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር ባይቶ ጸጥታ ክለዓል ይጠልብ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ዘይመንግስታዊ በዓል መዚ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ማለት ኢጋድ ነቲ መንግስቲ ሶማል ቀሪቡ ዘሎ ጠለብ ከምዝድግፎ እዉን ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻእኢ ጉዳያት ኣባላት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ።

ምስ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ከቢድ ቅልስ ዝርከብ መንግስቲ ሶማል ፣ ነቲ ጉጅለ ንምድቓቕ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ገዚፍ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ይሓትት ምህላዉ እዩ ዝንገር።

ሓድሽ መራሒ ሶማል ምስ ምምሕዳር ዋሺንግተን ደሓን ዝኾነ ዝምድና የማዕብልን ፣ መጠናዊ ቊጽሪ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ መሬቱ ኪኣትዉ ኣፍቂዱ ምህላዉን እዉን ይፍለጥ።