ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ እዋን መግዛእትታት ሃይለስላሰን ደርግን ውን ከይተረፈ ብዘይተራእየ ዓቐንን ስፍሓትን ናይ ተጸናጸንትን ሰለይትን ብዝሒ ዛይዱ ምህላዉ ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም።
እቶም ብዋህዮታት፣ ምምሕዳራት ከባቢን ብውልቅን ተወዲቦም ክነጥፉ ዝርከቡ ተጸናጸንቲ ኣብዚ ሰዓት እዚ ቊጽሮም ብዕጽፊ ወሲኹ ፡ ካብ ኩሉ ዞባታት ካብ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ማለት መንእሰያት፥ ኣረጋውያን፥ ገዳይም ተጋደልቲ፥ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፥ ገለ ኣካለ ስንኩላን ከምኡውን ኣረጋውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ከይተረፉ ዝርከብዎም ሙኻኖም እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ መዓስከር ደንደን ኣልጌንን፣ ኣብ ካልኦት ዞባታት ዝርከቡ ስንኩላን ኲናትን ነባራት ተጋደልቲን ብብዝሒ ዝነብርሎም ከባቢታትን ከይተረፈ፡ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ልዑል ቊጽሪ ሃሱሳት ኣንቀሳቒሱ ንምክትታሎም ጽዑቕ ስራሓት የካይድ ከምዘሎ ይሕበር።
ብዘይካ እዚ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታትን ኣካላት መንግስቲን ዝኾነ ንህግደፍ ዝትንክፍ ዕላላት ሰኒዶም ዝሕብሩ ብዙሓት ተጸናጸንቲ ተዋፊሮም ኣለዉ።
ኣብ ሃይማኖታውያን ትካላት ውን ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ብዝያዳ ኣብ ኦርቶዶኮሳዊት ቤተክርስትያን፥ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሙፍቲ ከምኡ ውን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ልዑል ምክትታል ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ይካየድ ምህላዉ፥ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ውን ብብዝሒ ንምንቅስቓስ ናይ ዜጋታትን ዝከታተሉ ኣብ መንጎ ስድራቤታት ከይተረፈ ዝሰልኩን ሰለይቲ ብምውፋር ኣብ ህዝቢ ሕንፍሽፍሽ ንምእታዉ ልዑል ወፍርታት ይግበር ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ልዑል ቊጽሪ ተጸናጸንቲ ናብ ህዝቢ ብምዉፋር ስግኣታቱ ከፋዂስ ዝርአ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብዚ ግዜዚ ነቲ ዝነበረ ብዝሒ ብዕጽፊ ከዛይዶ ምዉሳኑ ክሳዕ ክንደይ ካብ ዉሽጥን ደገን ክመጽእ ብዝኽእል ህዝባዊ ተበግሶ ንለዉጢ ልዕሊ ካልእ እዋን ርዒዱ ምህላዉ ዘመላኽት እዩ።