ሱዳን ኣብዚ ግዜ እዚ ሓቁፋቶም ብዘላ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መበል 2ይ ተርታ ተሰሪዓ ከም እትርከብ ሰነዳት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ማለት UNHCR ኣመልኪቱ።
እታ ሃገር ካብ 1965 ኣትሒዛ ካብ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ጫድ፣ ሶርያ፣ የመን፣ ሶማልን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ንዝመጹ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ተአንግድ ከም ዘላ እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።
ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ መሪሕነት ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ማለት CORን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን (UNHCR)፡ ዝመሓደሩ እቶም ስደተኛታት ንዖም ዘድሊ ቀረባትን ፋይናንስያዊ ሓገዛትን ከም ዝዋደደሎም ይፍለጥ ።
ኣብዚ ግዜዚ ኣብታ ሃገር ብርክት ዝበላ ሓደስትን ገዳይምን ናይ ስደተኛታት መዓስከራት ተደኩነን ከም ዝርከባ ዝሕበሩ ሰበ ስልጣን ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ፡ ብፍላይ ነቶም ካብ ኩናት ስሜን ኤትዮጵያ ሃዲሞም ዝመጹ ተመዛበልቲ እኹል ዝኾነ መሳለጥያ ዘለዎ ሓደስቲ መዓስከራት ከም ዝዶኩኑ የረድኡ ።
ኣብ ከም በዓል ስታ ዎዕሽሪን ፣ ሸገራብን ፣ ወደል ሒለው ዝበሃላ ገዳይም መዓስከራት እዉን ልዕሊ 10 ዓመታት ዝገበሩ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ምህላዎም ዝግለጽ ኮይኑ፣ ልዕሊ 800 ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ከምዝርከቡ እውን ሰነዳት ናይታ ሃገር ይሕብሩ።
ብሓፈሻ ኣስታት 38% ካብቶም ስደተኛታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ 25 መዓስከራት ከምዝነብሩን መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ከሰላ፣ ገዳረፍን ፣ ምብራቕ ዳርፉርን ምህላዎም ይግለጽ። እቶም ዝተረፉ 62% ሚእታዊት ድማ ካብ መዓስከራት ወጻኢ፡ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን እታ ሃገር ከም ዝነብሩ እዩ ዝፍለጥ።