ፈደራላዊ ምንግስቲ ኤትዮጵያን ክልላዊ ምንግስቲ ትግራይን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ኤትዮጵያ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ ፣ መንግስቲ ኤትዮጵያ ነዚ ስዒቡ ኣስታት 5 ቢልዮን ብር ናብ ትግራይ ክሰድድ ምኻኑ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሬድዋን ሑሴን ብመንገዲ ናይ ትዊተር ገጻቱ ገሊጹ ።

ሚኒስተር ሬድዋን ሑሴን ብዓርቢ 3 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ትዊተር “ቀ/ሚ ኣብይ ብዛዕባ ምውሳኽ በረራታት፣ ባንክን ካልኦት ጉዳያት ምትእምማን ዘዕብዩን ህይወት ሰላማውያን ሰባት ዘቃልሉን ጉዳያት ክሰርዕ ምኻኑ እዉን ጠቂሱ ።

ብመሰረት መምርሒ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝሓለፈ ሶኑይ ጀሚሩ እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ናብ መቐለ ምልኣኽ ከምዝጀመረ እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ብዘይካ’ዚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ውን በረራታቱ ናብ ትግራይ ካብ ሰለስተ በረራታት ኣብ ሰሙን ናብ 5 መዓልታት ከምዝወሰኸ ሚኒስተር ሬድዋን ገሊጹ። እቲ መንገዲ ኣየር ብ28 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም ናብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ከተማ መቐለ ስሩዕ በረራታቱ ምጂማሩ ዝፍለጥ እዩ።

ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕወሓትን፣ ብሰንኪ ኲናት ተጸልየን ኣብ ዝጸንሓ ሰለስተ ክልላት ብሓፈሻ ክልል ትግራይ ድማ ብፍላይ ፣ ዝድለ ሰብኣዊ ሕገዝን ምምላስ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንምምላስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቲ ኣህጉራዉያን ትካላት ሓቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ብሰንኪ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ፣ ኣስታት 90 ሚታዊት ናይቲ ልዕሊ 6 ሚልዮን ዝብዝሑ ነባሪ ክልል ትግራይ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ኪኸዉን ከምዝገበረ እዩ ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።
መንግስቲ ፡ ንክልል ትግራይ ሓዊስካ ኣብ’ተን ብሰኪ ኲናት ገዚፍ ቊጠባዊን ሰብኣዊን ዕንወት ወሪድወን ዝርከብ ክልላት ሰሜን እታ ሃገር ንምህዳስ ይሰርሕን ገዚፍ ኣህጉራዊ ሓገዝ ይሓትትን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ዝሰፍሐ ከባቢታት ክልል ትግራይ ዳግም ምጅማሩ በዓል መዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ሓቢሩ እዩ ። እቲ በዓል መዚ ኣብ ሓበሬታኡ፡ ከም ኣካል ናይቲ ብሰንኪ ኲናት ካብቲ ኣገልግሎት ቦኺሮም ንዝጸንሑ ከባቢታት ናይ ሰለስተ ክልላት ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጽገና መስርሕ፡ ከተማ መቐለ ሓዊስካ ዝሰፍሐ ከባቢታት ትግራይ መብራህቲ ክረክብ ክኢሉ ከምዘሎ እዩ ኣረዲኡ።

ኣብ ምጅማር እዚ ወርሒ እዚ እዉን፣ ኣብ ሰሜናዊ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተሰናኺሎም ዝጸንሑ ኣገልግሎታት ባንክ ዳግም ክጅምሩ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ትእዛዝ ምምሕልላፉ ኣይርሳዕን።