ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ደምበ ተቛውሞ ዘይምርድዳኣትን ሕንፍሽፍሽን ንምንጻፍ ኣብ ሕሱር ናይ ህዝባዊ ርክባት ተዋስኦታት ምህላኽ ከም ዘየቋረጸ ተሓቢሩ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ደምበ ተቛውሞ ንነጥፍ ኢና ንዝብሉ ምስሉያት ዉልቀሰባት እናመወለ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓንን መርበባትን ኣብ ባይታ ዘየለዉ ሓቅታትን ወገናውያን ሓበሬታታትን እናዘረወ ንሕንፍሽፍሽ እቲ ደምበ ክውን ኣብ ምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ፥ ኤርትራዊ ደምበ ተቛውሞ ድማ ነዚ ከይሲ ሓሳብ እዚ ልዕሊ ካልእ ክነቕሓሉ ተላብዮም።
ብህግደፍ ተመዊሉ ኣብ’ዚ ግጉይ ዕላማ ክነጥፍ ዝጸንሐ’ሞ ምስቲ ስርዓት ስለዘይ-ተረዳድአ ካብ’ቲ ዕላማ ነብሱ ዝኣለየ ሓደ ዜጋ ንምንጭታት ኤሪሳት ኣብ ዝሃቦ ቃል፥ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ’ቲ ንሃገራዊ ለውጢ ዝጽዕት ዘሎ ደምበ ተቛውሞ ሰሊዂ ንምእታውን፡ ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ድምበ ዘይምርድዳኣት ንምፍጣርን ፥ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ሶሽያል-ሜድያን ናይ ጸለመ ሓበሬታታት ዝዘርዉ ውልቀሰባት ይምውል ከምዘሎ ኣቃሊዑ።
ንሱ ኣብ ሓበሬታኡ፥ ደምበ ተቋውሞ ካብ ሃገራዊ ዕላማኡ ተኣልዩ ኣብ ዉልቃዊ ጽለኣት ኣባላትን ውድባትን ክሽመም – ህግደፍ ልዑል መጠን ገንዘብ ኣውፊሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምትሕስሳብ፥ ህዝብና በዚ ሕሱር ስራሕ ከይታለልን ካብ ሓባራዊ ርድኢቱ ዘልሓጥ ከይብልን ተላብዩ።
እዚ ከይሲ ሓሳብ እዚ ኣብ 2013 ብመሪሕነት ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህ/ግ/ደ/ፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተቓንዐ ኣኼባ መንእሰያት-ህግደፍ ዝተፈለመ ከምዝኾነ ወሲኹ ዘቃልዐ እቲ ዜጋ፡ ብፍላይ ኣብ ፊይስ-ቡክ ብዕሱባት ህ/ግ/ደ/ፍ ዝዝርግሑ ጸበብትን ወገናውያንን ርእይቶታት ቀንዲ ዕላማኦም ኣብ ሞንጎ ኣባላት ደምበ ተቛውሞ ውልቃውያን ጽልእታት ንምብራኽ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።
ኣብ’ዚ ግጉይ ዕላማ፥ ካብ ንጡፋት ኣባላት እቲ ድምበ ኢና ዝብሉ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ ዝርከቡ ኣማኢት ምስሉያት ተዋፊሮም ከምዘለዉ ወሲዂ ዘቃልዐ እቲ ዉልቀሰብ፡ እዞም ምስሉያት ምስ ኣባላት መሪሕነት ህግደፍ ዕለታዊ ከምዝራኸቡን ጸብጻቦም ከምዘመሓላልፉን ኣረዲኡ’ሎ።
ደምበ ተቛውሞ ንህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣስጊእዎ ከምዘሎ ካብ’ዚ እቲ ስርዓት ዝሰርሓሉ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ንምስማር ዝዓለመ ድኹም ወፍሪ ንምርዳኡ ከምዘየጸግም ዘገንዘቡ ምንጭታት ኤሪሳት፥ ደምበ ተቛውሞ በዚ ሕንኲር ተበግሶ ስርዓት ኣስመራ ክምህ ከይበለ ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ርድኢቱ ጸኒዑ ንተግባራዊ መቐዪሮ ክሰርሕ ተማሕጺኖም።