ኣብ ኢትዮጵያ ሃማኖት ዝጠንቊ ምትፍናን ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ከይከዉን ተሰጊኡ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ልምድታተይን ኣካይዳታተይን መንግስቲ ኢዱ የስሉኽ ኣሎ ብምባል ጀሚራቶ ዘላ ተቛዉሞ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሓየለ ይመጽ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እታ በተክርስትያን ንሰዓብታ ትዉድብን ኣንጻር ምትትታዉ መንግስቲ ደዉ ክብሉ ትጽዉዕን ብምላዋ እታ ዝበዝሑ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ምዃና ዝንገረላ ሃገር ናብ ዝበእኣሰ ሕንፍሽፍሽ ከይተምርሕ ከቢድ ስግኣት ሰፊኑ ኣሎ።

መንበረ ጵጵስና እታ ቤተክርስትያን ማለት ሲነዶስ በቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ መረጻ ሃይማኖታዉያን መራሕቲ ብፈደራል መንግስቲ ተፈጺሙ ዝብሎ ምትእትታዉ ምስ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ከቢድ ትፍንን ኣትዩ ምላዉ ዝሕብሩ ጸብጻባት፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቀጻሊ ምክሳስ ተሸሚሞም ከምዘለዉ እዮም ዘረድኡ።

ሲነዶስ ብዝጸውዖ ንሳልስቲ ዝኸይድ ህዝባዊ ተቛውሞ ድሮ ኣብ ሓያለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ካብ ሰኑይ 6 ለካቲት ጀሚሩ ይካየድ ምህላዉ እዉን ተፈሊጡ ኣሎ።

ከም ሳዕቤኑ ኣብ መንጎ መእመናን ሓይልታት ጸጥታት ቀጻሊ ምጉርፋጥ ይርአ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ ኣካይዳታተይን መራሕቲ ሃይማኖተይን መንግስታዊ መጥቃዕትታት ይብርኽ ኣሎ ትብል ዘላ ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኢትዮጵያ፣ እቲ ምትእትታዉን መጥቃዕቲን ደዉ ክሳብ ዘይበለ ትጽውዖም ዘላ ህዝባዊ ተቛዉሞታት ክዛይዱ ምዃኖም እያ ተጠንቅቕ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ምጽላዉ ፖለቲካዊ መኣዝን እታ ሃገር ገዚፍ ተራ ከምዘለዋ እዮም ሰነዳት ታሪኽ ዘመልክት።

ሓይሉን ተሰማዕነቱን ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ንምስማር ንኣካይድታት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምድጋም ለሚዱ ከምዘሎ ዝንገረሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ካብቲ ግጉይ ጎደና እንተዘይተኣልዩ ነታ ሃገር ናብ ምግምማዕ ከምርሓ ከምዝኽእል እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ብቐጻሊ ዘተሓሳስቡ።