ኤርትራ ገና ኣብ ክቱር ብልሽዉና ተሸሚመን ምስ ዝርከባ ዳሕረዎት 20 ሃገራት ተሰሪዓ ትቕጽል ምህላዋ ተሓቢሩ።

ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ብልሽዉና ዝከታተል ኣህጉራዊ ኣካል፡ ኣብ ናይ ዓመተ 2022 መስፍራዊ ጸብጻቡ ንኤርትራ ኣብ ክቱር ብልሽዉና ተሸሚመን ምስ ዝርከባ ዳሕረዎት 20 ሃገራት ሰሪዑዋ ኣሎ።

እቲ ኣህጉራዊ ኣካል ኣብ መንግስታዊ ትካላትን ህዝባዊ ጽላትን ንዝምዝገብ ብልሽዉና ከም መምዘኒ ወሲዱ ካብ ዘጽነዐን 180 ሃገራት ፥ ንኤርትራ ኣብ መበል 162 ደረጃ እዩ ሰሪዑዋ ዘሎ።

እቲ ንንጽህና ምሕደራን ፊናንሳዊ ትካላውነትን ኣማእኪሉ ዓመታዊ ሚዛን ሃገራት ዘቐምጥ ኣህጉራዊ ኣካል፡ ኣብ ኤርትራ ትካላዉነት ዝነፍግ ምሕደራ ነጊሱ፣ ንሱ ብዝጠንቚ – ተሓታቲን ክፉትን ባጀታዊ ስርዓት ብዘይምህላዉ፡ ኩሉዓይነታዊ ብልሽዉና ኣብ መንግስታዊ ትካላት ሳዕሪሩ ከምዘሎ እዩ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ንትካላውነት ካብ መሰረቱ ባይታ ዘይህብ ምሕደራ ዝኽተል ጉጅለ ህግደፍ፡ ብገበናት ብልሽዉና ክጥቀስ ምርኣይ ልሙድ ከምዝኾነ ዝሕብሩ ተንተንቲ ቊጠባ፥ እቲ ጸቢብ ጉጅለ ንጹርን ንተሓታትነት ቦታ ዘቐመጠን ባጀታዊ ስርዓት ስለዘይክተል፡ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን ክመዝኖ ኣብ ዘይክእል ገዚፍ ስርቂ ይነጥፍ ከምዘሎ የገንዝቡ።

ካብ ጽላት ዕደና ዝኽዕበት ዘሎ ልዑል ኣታዊ ናበይ የብል ከምዘሎ ዘነጽር ንኡስ ሓበሬታ’ኳ ዘይምህላዉ ሓደ ኣብነት’ዩ ዝብሉ እቶም ተንተንቲ፥ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ነታ ጉጅለ ህግደፍ ዘዕንዋ ዘሎ ኤርትራ ሂብዎ ዘሎ ተርታ ልክዕ ከምዝኾነ የስምሩሉ።

ኤርትራ ካብ’ቲ ትሑት ደረጃ ዳሕረዎት-20 ንልዕሊ 15 ዓመታት ፈልከት ከምዘይበለት እዩ ሰነዳት ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዘረድእ።

ኣብ ኤርትራ፡ ብላዕ ከይሃብካ ዝሳለጡ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዳርጋ የለዉን ናብ ምባል ክብጻሕ ተቐሪቡ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ብተደጋጋሚ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።

ካብ ዝነኣሳ ክሳብ ዝዓበያ ህዝባዉያን ኣብያተ-ጽሕፈት ኤርትራ ዘካይዱ ሓለፍቲ፣ ካብ ተገልገልቲ ሕቡእ-ክፍሊት ምሕታት ከም ልምዲ ወሲዶሞ ምህላዎም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ነቲ ብትሑት መነባብሮ ተዋጢጡ ዝርከብ ህዝቢ ተወሳኺ ተጽዕኖ ይኾንዎ ከምዘለዉ የረድኡ።